ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተመርጸን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ደስኪሉ ካብ ስራሕ ዝተኣልየን ክልላዊ ባይቶ፡ ዳግማይ ናብ ስርሑ ክምለስ ኣብ ውሳነ ምብጽሑን፡ ተግባራዊ ክገብሮ ከምዝኮነን ኣፍሊጡ።
ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ተነፊግዎ ዝርከብ ህወሓት ነዚ ዝወሰነ፡ ንምንዋሕ ስልጣን ግዚያዊ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስዒቡ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ኣኬባ ኮይኑ፡ ናብ ስልጣን ክምለስ ዝተወሰነ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ትግራይ፡ ንኩሉ ዓቕምታት ትግራይ ዘጠቓለለን፡ ከምኡ’ውን ሓቋፊ መንግስቲ ኮይኑ ክምስረት ምውሳኑ እዩ ኣብ ወግዓዊ መግለጺኡ ዝጠቅስ።
ካብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ዝተሰረዘ ህወሓት፡ ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፡ ነዚ ውሳነ እዚ ንምሕላፍ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 15 ሚያዝያ 2026 ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ፡ ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምኡ’ውን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ሰፊሕን ዕምቆት ዘለዎ ዘተን ድሕሪ ምክያዱ፡ ናብ’ዚ ውሳነ እዚ ምብጽሑ’ዩ ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት ወግዓዊ መግለጺኡ ገሊጹ ዝርከብ።
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ዝተገደደ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተተኽለ ኣካታቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ናይ ስልጣን ግዚኡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዳግማይ ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብግዚያውነት ንትግራይ ክመርሕ ንዝጸንሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ናይ ስልጣን ግዜ ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ንበይናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይቅበሎን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነከሕልፍ ምኳኑን ምውሳኑ ኣይርሳዕን።
ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንዝወጸ ሕጊ ምጥሓሱ ብምጥቃስ፡ ናይ ግዜ ገደብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ውድብ ህወሓት ወጻኢ፡ ብበይናዊ ውሳነ ምንዋሕ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምክሳሱ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህዋሓት፡ ምእንቲ ሰላም ተባሂሉ ተገቲኡን ደስኪሉን ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ሕጂ ግን ባይቶ መንግስቲ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ስራሕ ክምለስ ምውሳኑ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝኮነ ይኩን ግብረመልሲ የለን።