ኣመሪካን ኢራንን ከካይዶኦ ዝጸንሓ ዘተ ደው ድሕሪ ምባሉን፡ ኢራን ሉኡካት ክትሰድድ ከምዘይኮነት ድሕሪ ምግላጻን፡ ትራምፕ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ተጠንቀቅ ክጸንሕን፡ ካብ’ቲ ከባቢ ኣርሒቃ ዝጸንሐት ዓባይ መርከብ ክትምለስ ምእዛዙን ማዕከን ዜና CBS ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝገዘፈት ናይ ኲናት መርከብ ምኳና ንዝንገረላ ናይ ኣመሪካ መርከብ፡ ናብ ማእከላይ ምብራቅ ክትምለስ ዝኣዘዘ፡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ዳግማይ ድሕሪ ምዕጻዋን፡ ተዛታዪ ኣካል መንግስቲ ናብ ፓኪስታን ንምላኣክ ፍቃደኛ ከምዘይኮነት ድሕሪ ምግላጻን’ዩ ዝበለ CBS፡ በዚ ዝተቆጠዐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብ’ቲ ከባቢ ኣርሒቁ ዝጸንሐ ሰራዊት ዳግማይ ናብ ኢራን ክጽጋዕን፡ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕን ምእዛዙ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ብስም ዘተ ምኩራጽ ተጻቦኦ ክካየድ ዝጸንሐ ጸወታ ይኣክል፡ ናብ ስጉምቲ ክናኣቱ ኢና፡ ናይ ኢራን ድልድልን፡ መመንጨዊ ሓይሊ ጸዓትን ውን ከነዕንዎ ኢና ዝበለ ትራምፕ፡ ብተግባራት ኢራን ከምዝተቆጠዐን፡ እቲ ኲናት ክቅጽል ምኳኑ ከምዛኣመተን እዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘብርህ።
ትራምፕ ነዚ ውሳነ እዚ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ኢራን፡ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ መከር ኒውስ ዝተባህለ ኢራናዊ ማዕከን ዜና ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ምዕባለታት፡ ኣብ ዘተስፉ ደረጃ በጺሑ ንዝጸንሐ ዘተ ምቁራጽ ተጻቦኦ ከይኮልፎ ተሰጊኡ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ንውሳነ ትራምፕ ስዒባ መግለጺ ዝሃበት ኢራን ብወገና፡ ኲናት ዳግማይ እንተ ተጀሚሩ፡ ብዘለዋ ዓቅሚ ክትፋለም ምኳና ዘጠንቀቐት ኮይና፡ ወላ ውን ኣብ እዋን ዘተ ምቁራጽ ተጻቦኦ ዘፍረየቶም ሓደስቲ ኣጽዋራት፡ ኣብ መጥቃዕቲ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ክትጥቀመሎም ምኳናን፡ ግዚያዊ ስምምዕነት ፈጺማ ከምዘይትቅበልን’ያ ገሊጻ ትርከብ።
ትራምፕ ብዘይካ ወሽመጥ ሆርሙዝ፡ ኩሎም ማያት መጻብቦ ዓለም ኣብ ትሕቲ ጸጥታዊ ቁጽጽር ኣመሪካ ካኣቱ ምግባሩ ውን፡ ፎክስ ኒውስ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ትራምፕ ካብ ምሉእ ዓለም ናብ ኢራን ዝጓዓዛ ናይ ነዳዲን ንግድን መራኽብ ንምቁጽጻር ነዚ ስጉምቲ እዚ ምውሳዱ’ዩ ጠቒሱ ዝርከብ።