ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕድመ ስልጣኑ ዝተናውሐ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ህወሓት ካብ ስልጣኑ ክእለ ወላ’ኳ እንተወሰነ፡ ንሱ ግን ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ፡ እቲ ካብ ህወሓት ተመሓላሊፉ ዘሎ ውሳነ፡ ኲናት ከስዕብ ዝኽእል’ዩ ክብል ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ ህወሓት ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ፡ ዝተመርጸ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክምለስ እኳ እንተወሰነ፡ ንሱ ግን ኣብ መዝነቱ ክቅጽል ምኳኑ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ፡ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ፡ ውሳነ ምሕላፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጀነራል ታደሰ፡ ትማሊ ኣብ መቐለ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ግን፡ ውሳነ ህወሓት ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘብቅዕ ከምዝዀነ ብምግላጽ ነቀፌቱኡ ድሕሪ ምቅራቡ፡ ኣብ መዝነቱ ከምዘሎ’ዩ ዘረጋግጽ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ብመንገዲ እዋናዊ መግለጺ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ንስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶሪያ ውዱቅ ዝገብር’ዩ ዝበለ ጀነራል ታደሰ፡ እዚ ውሳነ ናይ’ቲ ተፈራራሚ ኣካል ውሳነ ብምኳኑ፡ ነዚ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ኲናት ጥራሕ ምኳኑ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ብቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣማራጺ፡ ኲናት ምቕጻልን ሰላም ዛላቂ ክኸውን ምግባርን እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንምፍታሕ፡ ልዝብ ክካየድ ጻውዒት ምቅራቡ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስርሑ ከም ዝቕጽልን፡ ኣብያተ ዕዮ እውን ብቀጻልነት ኣብ ስራሕ ክህልዋ ምኳነን ዘፍለጠ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ እቲ ኩነታት ግጭት እንከይፈጠረ ሰለማዊ ፍታሕ ክናደየሉ ንዘተ ምዕዳሙ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ንዘመሓላለፎ ውሳነ ብምቅዋም ዝተገብረ ኰይኑ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ “ዘይሕጋዊ እዩ” ብምባል ኣፍልጦ ከምዘይሃቦን፡ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንክውላዕ ውን፡ ዓቢ ምኽንያት ምንባሩ’ዩ ዝእመን።