ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያን፡ ገለ ሰበስልጣናትን፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ፡ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝኮኑ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ገበን፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ተጠቃምነት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ካልእን፡ ከቢድ ገደብ ብምግባር ይቅጽል ምህላዉ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዘብቅዕ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት የሕሊፉ’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌታዊ ግህሰት ግን፡ ብሰፊሑ ይቕጽል ምህላዉ’ዩ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘቅረቦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ዘረጋግጽ።
ኣብ ግዜ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኣትሒዞም ካብ’ቲ ከባቢ ዝተባረሩ ተጋሩ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቂቦም ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዘይካ’ዚ ገለ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተረፉ ውን ከቢድ ሰባኣዊ ግህሰት ይወርዶም ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀነ ተጋሩ፡ ምስ ምፍራም ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ፡ ናብ መንበሪ ቤቶም ክምለሱ ተስፋ ገይሮም እኳ እንተነበሩ፡ ዛጊድ ግን ክምለሱ ከምዘይከኣሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ፡ ከባቢታት ወልቃይት ሕሞራ ኣካል ክልል ኣምሓራ እዩ ብምባል፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዕጡቃት ናይቲ ክልል ዓስኪሮሙሉ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ ዝያዳ ካብ ዘጋደዱ ጉዳያት ምዃኑ ውን ዝጥቀስ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ዳግማይ ኲናት ክውልዕ ይክእል እዩ ዝብል ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ ውን ተደጋጋሚ ግዜ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ምክትል ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባደር፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ኣብ ኵሉ መዳያዊ ህይወቶም ከቢድን ሰባኣዊ ክብሪ ደቂ ሰባት ዝግህስን ገደባት የጋጥሞም ምህላዉ ዝጠቀሰት ኮይና፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን፡ ተጋሩ ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ክዀኑ ዝገብር ኣተሓሕዛ ንክቕጽል ኣሚኖም ይመስሉ ምህላዎም’ያ ወሲኻ ትከስስ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝነብሩ ተጋሩ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ከተማታት ወጻኢ ኽንቀሳቐሱ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወረዳ እቲ ዞባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክሕዙን ካልእን፡ በቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ክልል ኣምሓራ ይግደዱ ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ነቲ ፍቓድ እቲ ንምርካብ’ውን ኣጸጋሚ ብምኳኑ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንሕክምናዊ ምኽንያት ወይ ንኣረጋውያን ኣባላት ስድራቤት ንምሕጋዝ ጥራይ፡ ፍቃድ ከምዝህቡዎም’ዩ human rights watch ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሕጂ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ንዝወጸ ሓበራዊ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ግን፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓቂ ክብል ነጺግዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።