ዕጥቅ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን (RSF)፡ ካብ ሰራዊት ሃዲሙ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዝሃበ ላዕለዋይ ወታደራዊ መኮነን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዘሕለፈን፡ ወታደራዊ መዓርጉ ከምዝገፈፎን ገሊጹ።
እቲ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይ’ቲ ዕጡቅ ሓይሊ ብዝኮነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝሓለፈ ውሳነ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ንሰራዊት RSF ከዲዑ ዝከደን፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝተጸንበረን ላዕለዋይ ወታደራዊ መኮነን ሜጀር ጀነራል አል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም አል-ቁባ፡ ምስ ጸላኢ ብምትሕብባርን ካብ ሰራዊት ብምህዳምን ብዝፈጸሞ ገበን፡ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ፡ ንሱ ኣብ ዘይብሉ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተዋህቦን፡ መዝነቱ ውን ከምዝተሰረዘን እዩ፡ ሱዳን ትሪቡን ዝገልጽ።
ሜጀር ጀነራል አል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም (አል-ቁባ)፡ ኣብ ምጅማር እዚ ወርሒ እዚ ኣብ መንጎ መሪሕነት RSF ብዝተፈጥረ ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ፡ ካብ ሰራዊት ድሕሪ ምክድዑ፡ ካብ ስርሑ ከምዝተሰጎገን፡ መዓርጉ ውን ከምዝተገፈን ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ውን፡ ብርክት ዝበለ ህያባት ከምዝተቀበለ ውን ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ እዩ።
ኣል-ቁባ ካብ ሰሜን ዳርፉር ድሕሪ ምህዳሙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን ናብ እትርከብ ከተማ ዶንጎላ ከምዝኣተወን፡ ብሰራዊት ሱዳን ውን ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሎምን ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊትን ዓብደል ፋታህ አል-ቡርሃን ተራኺቡ ምዝታዩን፡ ናይ ክብሪ መኪና ሽልማት ውን ከምዝተዋህቦን ውን ዝፍለጥ እዩ።
ሱዳን ትሪቢዩን ንናይ ውሽጢ ምንጭታት እቲ ትካል ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ እቲ ወተሃደራዊ መኮነን ንRSF ዝከደዐ፡ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝተዋህበ ናይ መሪሕነት ሹመት ዝተፈጥረ ወጥሪ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ RSF ንከተማ አል-ፋሽር ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ አል-ቁባ ናይ ምእዛዝ ስልጣኑ ተሓዲጉ፡ ቦቱኡ ንጌዶ ኢብንሹክ ተዋሂቡ ምንባሩን፡ እቲ ዝተፈጥረ ቅሬታ ውን ካብ’ዚ ከምዝምንጩን ግምቱ ዘቀመጠ ኮይኑ፡ ኣል ቁባ በዚ ምኽንያት ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽምባሩ’ዩ ዝጠቅስ።