ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ኔታንያሁ፡ ብጉዳይ ኢራን ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ከጋጥም ይኽእል እዩ ብምባል፡ ንኢራን ብከቢድ ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ቃላቱ፡ ሰውራዊ መሪሕነት ኢራን ብደረጃ ዓለም “ከቢድ ታሪኻዊ ስምብራት” ክሓድግ ዝኽእል፡ ሓደገኛ ዓለማዊ ስግኣት እዩ ክብል ደጊሙ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጉዳይ ኢራን ዓለምለካዊ ዕንወት ምኳኑ ኩሉ ክርዶኦ ከምዝግባእ”ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣስዒቡ፡ ኢራን ናይ ኑክሌር ኣጽዋር ንምውናን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፡ ንህልውና እስራኤል ቀጥታዊ ስግኣት ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ጥፋኣት ዕላማ ክዉን ንከይከውን፡ እስራኤል ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ምድላው ምህላዋን፡ ካብ ምውሳን እውን ንድሕሪት ከምዘይትብልን ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ ሃገሩ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ናይ ኣመሪካ ፍቃድ ጥራሕ ትጽበ ምህላዋ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኔታንያሁ፡ ናይ ኢራን ምብልጻግ መደባይ ኑክሌር እንተዘይተገቲኡ፡ ጸጥታዊ ድሕነት መላእ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ምኳኑ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ከጠንቅቕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
እዚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ ቃላት ግን፡ መፍትሒ ንምፍጣር ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝክእል’ዩ ዝንገር።
ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ከምዚ ዓይነት ተሪርን ተኸታታሊን ናይ ቃላት ኲናት፡ ነቲ ድሮ ተሓላልኹ ዘሎ ወጥሪ እቲ ዞባ ዘጋድድን፡ ናብ ዘይድለ ግጭት ከምርሕ ዝደፍእን’ዩ ብምባል፡ ኣብ ቃላት እቲ መራሒ ዘለዎም ስጋኣት ኣብ ምግላጽ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እስራኤል ኲናት ብዘተ ክፍታሕ ድልዉቲ ዘይምህላዋን፡ እቲ ኩነታት ዳግማይ ክባራዕ ከምዝኽእልን’ዩ ዝእመን።
እስራኤል፡ ንኩለራዊ መደባት ኢራን ደው ንምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዲፕሎማስያዊ ጸቅቲ ኣብ ምግባር ምጽንሓ ዝንገር እኳ እንተኮነ፡ ይኹን እምበር ብወገን ኢራን ኣተባባዒ ግብረመልሲ ከምዘይረከበ’ዩ ዝግለጽ።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኑክሌር ኣጽዋር ከም ዘይጥቀም ገሊጹ።
ኣመሪካ ብልሙድ ኣገባብ ኲናት፡ ወታደራዊ ዓወታታ ከም ዘውሓሰት ዝገለጸ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኮነ ይኹን ናይ ኑክሌር ኣጽዋር ናይ ምጥቃም መደብ ከምዘይብሎም’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መደምደምታ፡ ናይ ኑክሌር ኣጽዋር ዝኾነ ሰብ ክጥቀመሉ ፈጺሙ ክፍቀድ የብሉን ዝበለ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኒኩለር ከይተጠቅመት ዘገድሳ ዓወታት ከምዘመዝገበት እዩ ዝገልጽ።