ሓላፊ ፈጻሚ ጉዳያት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብርሃነ ገብረሂወት: ህዝቢ ኤርትራ ንኩናት ዝውዕል ገንዘብ ንምእካብ: ኣብ ባይታ ዘየለን ዘይትግበርን ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን መደባት ንምሕባር ምስጢራዊ ዋዕላ ኣካይዱ።
እቲ ብ18ን 19ን ሚያዝያ, 2026 ብፍሉይን ብዘይምውዕዋዕን ካብ 14 ከተማታት ንዝመጹ እሙናት ኣባላት ሃገራዊ ሽማግለ ማእከላይ ምዕራብ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ሽካጎ ዝተገብረ ዋዕላ: ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብሓሶት ምኽሳስን ምእሳርን ምስ ሃገራዊ ድሕነት ብቐጥታ ዝዋሳእ ብርሃነ ገብረሂወት “ንተጻብኦ ሰልፊ ብልጽግና ንምብርዓን ገንዘብን ጎስጓስን ከምዘድሊ ገሊጹ።
ይኹን እምበር: እሙናትን ካድራትን ጉጅለ ህግደፍ ተባሂሎም ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተጸውዑ ውልቀ ሰባት: ቃንዛ ህዝቦም ዘይስምዖምን ብዘይጠቅም ረብሓን ጉድለት ንቅሓትን ዝተገዝኡ: ቪድዮ ከይቀርጹን ከይስእሉን ክልኩላት ከምዝነበሩ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ወኪል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብርሃነ ገብረሂወት: ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም: ምርጫን ኣካላት መንግስትን ብስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ: ኣገልግሎት መብራህቲ: ጥዕና: መጓዓዝያን ድኽነትን ምስቃዩ ቀዳምነት ሂቡ ከልዕሎ ኣይደለየን።
ከም ኣመሉ ነቲ ብዘይ ክሲ ፍርዲ ንዓመታት ሓይሩን ስድራቤታት በታቲኑን ኣብ ኩናት ትግራይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘህለቀን ድሃዮም ዘጠፍአን ንህዘቢ ኤርትራ ዘጸንት ዘሎ ብልሹው ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝውድስ መግለጺታት ኣቕሪቡ።
ይኹን እምበር: እቲ ደም ከፊሉ ጽሩይ ማይን ሰላምን ስኡኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ: ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ብዘይካ ኩናት: ድኽነት: ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ስደት: ካልእ ዝረኸቦ ክብረትን ቅሳነትን የለን።
መብዛሕቶኦም እቶም እሙናት ተባሂሎም ብርሃነ ገብረሂወት ዝኣከቦም ሰባት: ምእንቲ ንብረትን ገዛን ስድራን ኣለና” ኢሎም ዓዲ ክመላለሱ ሕልናኦም ዝሸጡን ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ውልቃዊ ህይወቶም ርግኣት ዘይብሎምን ዘይጽኑዓትን ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2018 “ተደሚርና ኣይከሰርናን: ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና ኣቢዪ ምርሓና” ዝብል ናይ ጥልመትን ክሕደትን መደረ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ናይ’ዚ እዋን’ዚ ጽምዶ ምስ’ቲ ከም ቀንዲ ጸላኢ ዝሕሰብ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ዘስዓቦ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ መርገጺ: ዝኣምኖም ሰባት ስለዝጠለምዎን ካብ ህዝቢ በዳህቲ ሕቶ ስለዝቀረበሉን ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ስለዝሓየለን: ዳግማይ ህይወት ንክዘርእ ኢዩ ዘዕለብጥ ዘሎ።
ከም ዝዝከር ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመትዚ: ንሓለፍቲ ውዳበታት ኢሉ ዘጠመቀን ወከልቲ ማሕበራት መንእሰያት: ደቂ ኣንስትዮ: ኣባላት ህግደፍ: ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት: ማሕበረ ኮማት: ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት”
ናብ ኤርትራ ብምዕዳም: ናይ ጽልኢ ዘመተን ኤርትራ ጽቡቕ ኣላን” ዝብሎ ጎስጓስ ከካይዱ ስልጠና ተዋሂብዎም ኢዩ።
ከምቲ “ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ዝብሃል: እዞም ጉጅለ ህግደፍ ብዝተፈላለየ ረብሓን ምድንጋርን ዝእክቦምን ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ረብሐኦምን ጎስጓሳት ከካይዱ መደባት ዝቕበሉን ዘለዉ ጉጅለታት: ኣብ ክንዲ ምሰ ቀታሊኦምን መጻኢ ዕድሎም ዝኾልፍን ጉጅለ ዝስለፉ: ቃንዛ ህዝቦም ንሓዋሩ ከኸትም ንፍትሒ ክቃለሱ ይግባእ።
ብተወሳኺ በብእዋኑ ዕባራ መመኽነይታ ብምምሃዝ ብዘይ ኩናት ክነብር ዘይክእልን ንቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ጎስዩ ስልጣኑ ዘናውሕን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ: “ይኣኽለካ ስልጣንካ ንዋናታቱ ኣረክብ ዝብሃለሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ።