ጸረ ጉጅለ ህግደፍ ምንቅስቃስን ውዳበን ኣብ ምክያድ ዝጸንሐ ሃገራዊ ኮንግረስ ዓፋር ኤርትራ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንምስዓሩ ወተሃደራዊ ክንፊ ከምዝመስረተ ገሊጹ።
ሃገራዊ ኮንግረስ ዓፋር ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ፡ ከካይዶ ድሕሪ ዝቀነየ ጉባኤ፡ ሰኑይ 20 ሚያዝያ 2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል ኣደራዕ ንዘውርድ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንምእላይ፡ ዕጣቃዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ’ዩ ዝገለጽ።
ሃገራዊ ኮንግረስ ዓፋር ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ እትርከብ ዳንካልያ፡ ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰልን፡ መሰል ርእሰ ምሕደራ ህዝቢ ዓፋር ንምምላስን፡ ዝተወፈየ መሪሕ ምንቅስቓስ ብምቋም፡ ብገዛኢ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ በደልን ስደትን ንምውጋድ፡ ወሳኒ ስጉምቲ ብምውሳድን ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ስደት ብምትሕብባርን፡ ኣብ ስራሕ ምጽንሑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ፡ ኩሉ ተወላዲ ዓፋር ዝሓቖፈ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ መስሪቱ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ሃገራዊ ኮንግረስ ዓፋር ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዓፋር ዝተፈጸመ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰኒዱ፡ምጽጻይ ብሄራት ኤርትራ፡ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ መሬት፡ ግዱድ ስርዓታዊ ምምዝባል፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ ዓፋር ካብ ስትራተጂካዊ ገማግም ባሕሪ ዳንካልያ ንምእላይ ዝዓለመ ፖሊሲታት፡ ብጉጅለ ህግደፍ ይስርሓሉ ምህላዉን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ከባቢ ድምጺ ኣልቦ ገበናት ክግጸም ምጽንሑን፡ ኣብ’ቲ ናብ ፍሉያት ጸብጻባት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ካልኦት ተጣበቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ዝለኣኾ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካኣቱ ምውሳኑ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ሎሚ ድሕሪ 35 ዓመታት ምልካዊ ምሕደራ ኢሰያስ፡ ኣብ መንጎ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ተቓወምቲ ዝረአ ዘሎ ምርድዳእ፡ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ከምዘብቅዕ ንምውሳን ዘኽእል ምኳኑ ዝገለጸ ሃገራዊ ኮንግረስ ዓፋር ኤርትራ፡ በዚ መሰረት EANC ነቲ ሕጂ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንምእላይን፡ ወተሃደራዊ ዓወታት ንምምዝጋብን፡ ሓድሽ ምዕራፍ ንምክፋት ተበጊሱ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኩሎም ጸረ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮኑ ፖከቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ውድቀት እቲ ጉጅለ ንምቅልጣፍ ክጥርነፉ ዝጸውዐ ሃገራዊ ኮንግረስ ዓፋር ኤርትራ፡ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ቃልሲ ስርዓተ ለውጢ ኤርትራ ንምዕዋት፡ ምስቲ ምንቅስቃስ ክሓብሩ ተላብዩ።