ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ብሰንኩ ሃገሮም ገዲፎም ዝተሰዱን ኣብ ሊብያ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሮም ዝሳቐዩን ብነጋዶ ሰብ ዝሽየጡን ኣሽሓት ገንዘብ ዝኸፍሉን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት: ፕሮፖጋንዳዊ ድራማ ይሰርሕ ኣሎ።
እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዩቱብ ዝተዘርግሐ ሓጺር ቪድዮን ጽሑፍን:
“ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ብ20 ሚያዝያ 2026 ካብ ቤት ማእሰርቲ ታጂራ 10 ዜጋታት ኣውጺኡ” ዝብል ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘይብላ ሊብያ: ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ዕጡቋትጉጅለታት ተታሒዞም ኣብ ስቃይ ዝነብሩ ኤርትራውያን: ጉጅለ ህግደፍ ንድሕነቶምን ንስቃዮምን ዝኾነ መግለጺ ይኹን ስጉምቲ ወሲዱ ኣይፈልጥን ኢዩ።
እዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ካብ ቤት ማእሰርቲ 10 ኤርትራውያን እሱራት ከምዘውጽአ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ድማ ብዘይካ ንመአከቢ ገንዘብን ንፖለቲካዊ ጎስጓስን ካልእ ትርጉም የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ክሲ ፍርዲ ንዓመታት ሓይሩዎም ዘሎ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከይፈትሐ ኣብ ሊብያ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ካብ ማእሰርቲ ኣውጺአ ምባሉ ድማ ሸፈጥን ምትላልን ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኣማን ብህዝቢ ኤርትራ ዝቁርቆር እንተኾይኑ: ህዝቢ ኤርትራ ከይስደድን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክኸብርን: ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግስን ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከኽብርን ይግባእ።
ከም ዝፍለጥ ቅድሚ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ስማዊት ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሶፍያ ተስፋማርያምን: ንኤርትራውያን ስደተኛታት: ” እንታይ ክገብሩ ናብ ሊብያ ከይዶም: ጸጊቦም: ኤርትራውያን ኣይኮኑን” ዝብል ናይ ክሕደትን ሕጫጨን ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ሂባ ነይራ ።
ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን: ተሰዲዶምን ኣብ ጉዕዞኦም ሞይቶምን ተጨውዮምን ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ድማ ኣሽምባይዶ: ኣብ ሽግር ዝወደቑ ዜጋታቱ ክጣበቕ: ነቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ መንበሪ ወረቐት ንኸይረኽቡ ዕንቕፋት ክፈጥርን ክኽሕዶምን: ሰላማዊ ህይወቶም ክዘርግን ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ ከገድድን ተራእዩ ኢዩ።