ምምሕዳር ትራምፕ: ምስ ኢራን ዘለዎ ወጥሪ ንምፍኳስ: ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተነብረ በይናኣዊ እገዳ ንምልዓል መደብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ፕረዝደንት ተራምፕ ኣፍሪቓ ኣቶ ማሳድ ቦውሎስ ቅድሚ ሳልስቲ (ብ20 ሚያዝያ 2026) ምስ ፕረዝደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ሃገሩ ምስ ኤርትራ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክትገብር ድሌት ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ: ግብጺ ኣብ ምሕያልን ምስላጥን ዲፕሎማስያዊ ርክባት: ግብጺ እጃማ ከተበርክት ትጽቢት ከምዝገብር ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ ኣቶ ማሳድ ቦውሎስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካይሮ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ውልቃዊ ርክባት ኣካይዱ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፈ ኣንቢሩዎ ዝነበረ በይናኣዊ እገዳ ከልዕሎ ምውሳኑ: ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ምንቅስቃስ መራኽብ ብምዕጻዋን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ባብኤል መንደብን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣብ ትፍክረሉ ዘላ እዋን ኢዩ።
ምምሕዳር ትራምፕን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ከይሃድአ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ካልእ ወጥሪ ከይፍጠር ኣማራጺታት ሃሰው ይብላ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ: ንምሓውራት ጉጅለ ህግደፍ ዘተኮረ እምበር ህዝቢ ኣብ ዝጥቀመሉን ዝረብሓሉን ኣገደስቲ ነገራት ኣይነበረን።
ብቀንዱ በይናኣዊ እገዳ ኣመሪካ: ኣብ ትካላት ጸጥታ: ምግዛእ ኣጽዋርን መቀያየሪ ኣጽዋርን: ቁጠባዊ ትካላት ጉጅለ ህግደፍ ላዕለዎት ጀነራላትን ዝምልከት ኢዩ።
ምልዓል እገዳ ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ነቲ ብቀደሙ ውን: ዓቢ ጽልዋ ዘይነበሮን ብጨቋኒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ዝርገጽን ዝስደድን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽኣሉ ኣይኮነን።
ምምሕዳር ትራምፕ ምንቅስቃስ መራኽብ ንግዲ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ: እቲ ብኢራን ዝድገፍ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ሑቲ መጥቃዕቲ ይኹን ተጻብኦ ንኸይገጥመን ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዘለዋ ሃገራት ፖለቲካዊ ምሕደራአንን ኣብ ህዝበን ዘለወን ተቀባልነት ብዘየገድስ ሓባራዊ ጸጥታዊ መደባት ጀሚሩ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ : ንጉጅለ ህግደፍ እሱራት ክፈትሕ: መሰል ሃይማኖትን ሓሳብካ ምግላጽን ከፍቕድ: ካብ ኣመሪካ ዝጥረዙ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኤርትራውያን ክቕበል: ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ምእታው ክእደብ ዝብሉ ዝተቀመጠ ቅድመ ኩነት ለውጢ ከይመጸ: እገዳ ምልዓል ድማ ንስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ዘደልድል ንሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሕ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንምልዓል በይናኣዊ እገዳ ምምሕዳር ትራምፕ ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉን ከም ዓወት ክሓስቦን ኢዩ።
ጠለብ ህዝብና ግን ኣብ ኤርትራ: ቅዋም ክትግበር: ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ክኽበር: ምርጫ ክግበር: ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ ኢዩ።