ህወሓት ዳግማይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ መናእሰያት ዝፈጸም ዘሎ ጅምላዊ ናይ ምእሳርን ምግፋፍን ምንቅስቓስ፡ ብዝኸፈአን ብዝሰፈሐን መልክዑ ብምቕጻሉ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዓቢ ናይ ጸጥታ ስግኣትን፡ ህዝባዊ ራዕድን፡ ክነግስ ጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ግፋ ምንቅስቃስ፡ ብኣባላት ሰራዊት ትግራይን፡ ገለ ገለ ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ ዕጡቃትን ይካየድ ምህላዉ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ንንቡር ምንቅስቓስ ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕጻው፡ ንመላእ ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ኣብ ዓቢ ወጥሪ የእትይዎ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
እቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ብሓይሊ ዝተገፉ መናእሰያት ተጋሩ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ካብ ምስፋር ሓሊፎም፡ ብቐጥታ ዶብ ተሳጊሮም ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ምህላዎምን፡ ናበይ ይከዱ ምህላዎም ውን እንተኾነ ፈጺሙ ንጹር ከምዘይኮነ ዝጠቅስ ኮይኑ፡ እዚ ኩነታት እዚ ጭንቀት ስድራቤታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ይገብር ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ብግሁድ ዝጥሕስ ሃድን መናእሰያት፡ ኣብ ተጋሩ ጥራይ ዝተሓጸረ ከምዘይኰነ ወሲኹ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ንገለ ገለ ካብ መዓስከር ዳባት ተፈናቂሎም ኣብ ሸራሮ ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን እንተኮነ፡ ግዳይ ጌርዎም ምህላዉ’ዩ ዝጥቀስ።
ንስም ጽምዶ ስልታዊ ዝምድና ፈጥሮም ዝርከቡ ህግደፍን ህወሓትን፡ ድሕነቶም ንምውሓስ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ግዱድን ዘይሓላፍነታውን ሃድን ይፍጽሙ ምህላዎም ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ንኣህጉራዊ ሕግታት ብቅሉዕ ብምጥሓስ፡ ብሓይይልን ብዘይድሌቶምን ናብ ኤርትራ ይመልስዎም ከምዘለዉን፡ ናበይ ይከዱ ምህላዎም ውን ንጹር ከምዘይኮነን’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
እዚ ንስደተኛታት ናብ ዘይውሑስ ቦታ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ተግባር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ሓፈሻዊ ናይ ድሕነት ቅልውላው ይፈጥር ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ተግባራት ክልቲኦም ሓይልታት ነዚ ዞባ ዝርብሽን ዝኸፈአ ሰብኣዊ ሓደጋ ዘውርድን ብምዃኑ፡ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ተጣበቕቲ ሰባኣዊ መሰላትን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ህጹጽ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ጸቕጢ ክገብሩ ዝጠልብ ምኳኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዛ ሃገራዊ ምርጫ ክተካይድ መደብ ሒዛ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ምፍጣጥ ዝርከብ ውድብ ህወሓት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኲናት ክውላዕ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ተበጊሱ፡ ሃድን መንእሰያት የካይድ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ብምፍጣሩ፡ መንእሰያትን ብርክት ዝበላ ስድራቤታትን፡ ናብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ክግዕዙ ይርአ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።