ብድሌት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብሃውሪ ዝውሰንን ዝቀያየርን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ውዕላትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘየርብሖን ዋጋ ከምዘኽፍሎን ተሓቢሩ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብዘይ ቅዋም፡ ባይቶ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት መንግስቲ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ክልተኣውን ጉዳያት፡ ዝኽትሞን ዝፍጽሞን ርክባት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን ዘይዋሳኣሉን ስለዝኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ዋጋ ከምዘኽፍሎን ከምዘየርብሖን ተገሊጹ።
ንኣካይዳን ፖሊሲታትን ጉጅለ ህግደፍ ብቀረባ ዝከታተሉን ዝፈልጡን ዲፕሎማሰኛታትን ተንተንቲ ፖለቲካን ከምዝሓበርዎ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንጉሆ ካብ ምድቃሱ ተበራቢሩ ዝህቦ መምርሒታትን ውሳኔታትን፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይርጉእን ምዃኑ ኣገንዚቦም።
እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ብተወሳኺ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክተዓራረኽን ዝምድና ክበትኽን ግዜ ከምዘይወስደሉን ሳዕቤኑ ከምዘይግደሰሉን ብምጥቃስ፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ግምት ከምዘይህቦን ዘነጽር ሓደገኛ ፖለቲካዊ ጠላዕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ተገላባጢ መርገጺ ጭቡጥ ኣብነት ምዃኑ ኣረዲኦም።
ቅድሚ 8 ዓመታት ምስ ሰልፊ ብልጽግና ተሻሪኹ ኣብ ኩናት ትግራይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘህለቀን ዘሰንከለን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ንልዕሊ ርብዒ ዘበን ጸላኢየይ ክብሎ ዝጸንሐ ህወሓት ዝምድና ፈጢሩ ብስም ጽምዶ ኣንጻር ሰልፊ ብልጽግና ዝገብሮ ዘሎ ናይ ኩናት ዕንደራን ፕሮፖጋንዳን ንህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ዘጽንት እምበር ሰላም ዘስፍን ከምዘይኮነ እቶም ምንጪታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን በብእዋኑ ዝቀያየር ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ምዕባለታት፡ ብወድዓውነት ዝከታተልን ንሃገራዊ ረብሓታቱ ኣብ ግምት ብምእታው ዝውስንን ፖሊሲታቱ ዝቅይስን ተካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ስለዘይክተል ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ኣብ ሓደጋ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብሕጊ ዝግዛእን ተሓታትነት ዘለዎን ህዝባዊ ስርዓት ከይተተኽለ፡ ትርጉም ዘለዎ ልምዓታዊ መደባት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰልን ምርግጋእን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ክረጋገጽ ስለዘይክእል፡ ኤርትራውያን ወነንቲ ሃገርናን ጉዳይናን ክንከውን ቀዳምነት ሂብናን ፍልልያትና ኣጽቢብናን ክንሰርሕን ይግባእ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ዘበነ ስልጣኑ፡ ገበናቱን ድኽመታቱን ንምሕባእ “ግዳማዊ ተጻብኦ” ዝብል መመኽነይታ ብምምሃዝ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይካ ስደት፡ ምሕያር፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ድኽነት፡ ኩናት፡ ሽቅለተ ኣልቦነት፡ ሕጊ ኣልቦነትን ምግባትን ዘበርከቶ ጽቡቕ ነገር የለን።
•••