መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ብመንገዲ ቤትጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታታ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከይገሹ ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መጠንቀቕቱኡ፡ ተሰጊኡ ንዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር፡ ዜጋታት ናብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ገለ ከባቢታት ዓፋርን ሶማልን ከይንቀሳቀሱ ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ ብዘይካ እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እንተኮይኑ ጥራሕ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ውን ብተመሳሳሊ፡ ዜጋታቱ ካብ ኩሉ ዶባት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ 100km ርሕቀት ጥራሕ ክንቀሳቀሱ ኣጠንቂቁ።
ኣብ ውሽጢ ክልል ኦሮሚያ፡ ካብ ቀንዲ መስመር ከተማታት ወጻኢ፡ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ዶብ ናይ 10 ኪሎሜትር ርሕቀት፡ ኣብ ምዕራብ ሸዋ፡ ሰሜን ሸዋ ዞን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጋምቤላ ኣብ ዝወስድ ቀንዲ መገዲ መስመር፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋን ምብራቕ ወለጋን ዞባ፡ ከምኡውን ኣብ ቄለም ወለጋን ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን፡ ዝኮነ ይኩን ጉዕዞ ከይግበር እዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መጠንቀቅቱኡ፡ ብዘይካ’ቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ኣዳማ ዝዝርጋሕ ናይ highway መስመር፡ ምብራቕ ሸዋ ዞባ እውን ሓደገኛ ከባቢታት ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ክልል ሶማል ሲቲ ዞን፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ውን ምስ ሱዳን ዘዳውብ 20 ኪሎሜትር ርሕቀት ዶባ ዜጋታቱ ከይቀርብዎ እዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ኣብ ማኦ ኮሞ ዞባ መተከል ብተመሳሳሊ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይተረኺቡ፡ ዝኾነ ይኹን ጉዕዞ ከይግበር ዘጠንቀቐ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ምርጫ ክሳብ ዝሓልፍን፡ እቲ ናይ ተጠንቀቅ ኩነታት ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስን፡ ዜጋታት ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩን ሓላፍነት ክስከሙን እዩ ጸዊዑ ዝርከብ።