ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።
እቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተወስደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ነቝጣ ሚሳይላት ኢራንን፡ ኣብ ባሕሪ ተፈንጃሪ ንምቕማጥ ኣብ ልዕሊ ዝፍትና ጃላቡን፡ ዘነጻጸርር ምንባሩ ዝተሓበረ ኮይኑ፡
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታትት ኢራን ክፍጽምዎ ካብ ዝኽእል መጥቃዕትታት ንምክልኻል ዝተወስደ ናይ ነብሰ ምክልኻል መጥቃዕቲ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ-ቓል ማእከላይ እዚ ካፕቴን ቲም ሃውኪንስ ብወገኑ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ወተሃደራቱ ካብ መጥቃዕቲ ይከላኸል ኣሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ምልውዋጥ ቶክሲ ደው ኣብ ዝብለሉ ግዚያት እቲ ግጭት ከይዓቢ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ኢስማዒል ባቃይ ብተመሳሳሊ፡ ምስ ኣመሪካ ዝካየዱ ዘለዉ ዝርርባት፡ ውሱን ምምሕያሽ ከም ዘርኣዩ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ነቲ ኵናት ደው ክብለሉ ናብ ዝኽእል ስምምዕ ንምብጻሕ ግን ገና ብዙሕ ግዜ ከምዝሓትት ኣብ ዝተረድእሉ ሰዓት’ዮም መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል ንኣመሪካ ከሲሱ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሕጂ ውን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ይከኣል’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ዘተ ብሽምግልና ቀዳማይ ምኒስተር ቐጠር፡ ሰሉስ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኢራንን ምኒስተር ጉዳይ ወጻእን ዝካየድ ዝርርባት ከም ዝቅጽል የአንፊቱ።