ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣክበርቲ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ተኹሲ ዝኸፈተ ውልቀሰብ ከም እተቐትለ ፡ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ብመሰረት ሓበሬታ (CBS)፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝተገልጸ ተጠርጣሪ፡ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ምዃኑን ናስር ቤስት ከም ዝበሃልን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም ከም ዘለዎን ኩነታት ጥዕኑኡ ውን ብኣባላት ጸጥታ ዝፍለጥ ምዃኑን እዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ውልቃዊ መርበብ ሓበሬቱኡ ትሩዝ ኣብ ዘቀመጦ ጽሑፍ፡ ኣባላት ጸጥታ ሃገሩ ንዝወሰድዎ ቅልጡፍን ሞያዊ ስጉምትን ዘመስገነ ኮይኑ፡ እቲ ተጠርጣሪ ቅድሚ ሕጂ እውን ናይ ዓመጽ ታሪክ ከም ዝነበሮን፡ ምናልባት እውን ብሃገራዊ ምልክታት ተማሪኹ ነቲ ስጉምቲ ፈጺምዎ ክኸውን ይኽእል ክብል እምነት ከምዘለዎ”ዩ ኣብ መልእኽቱ ዝጠቅስ።
እቲ ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጸጥታ ዋይት ሃውዝ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ኣብ ናይ ድራር እንግዶይ ጋዜጠኛታት ዝተካየደ መጥቃዕቲ፡ ልክዕ ናይ ሓደ ወርሒ ፍልልይ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳም ምሸት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠረ መንእሰይ ግን፡ ህጹጽ ስጉምቲ ከምዝተወስደሉ እዩ ዝንገር።
እቲ ቀዳም ምሸት ዝተፈጸመ ናይ ተኹሲ መጥቃዕቲ፡ ድሮ መርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ውን ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውዝ ዝርከቡ ጎደናታት ተዓጽዮም ምህላዎም እዩ ዝንገር።
እቲ ውልቀሰብ ብቀዳም ምሸት ሰዓት 6 ናይ ምሸት ኣብ ዋይት ሓውስ መበል 17 ጐደና ፔንሲልቫንያ ፡ ብረት ካብ ቦርሱኡ ብምውጻእ፡ ምስ ኣባላት ጸጥታ ዋይት ሃውስ ቀጥታዊ ቶክሲ ምጅማሩ ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝገለጹ ኮይኖም፡
ኣባላት ጸጥታ ብኡንብኡ ተኹሲ ብምኽፋት ብዝሃብዎ ግብረመልሲ፡እቲ ውልቀሰብ ተሃሪሙ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስደ፡ ብሂወት ክጸንሕ ከምዘይከኣለ እዩ ተገሊጹ ዝርከብ።