ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዣን ኖኤል ባሮው፡ እስራኤል ንጥንታዊ ኣኽራን ሊባኖስ ድሕሪ ምቁጽጻራ፡ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ጸዊዑ።፡
ሰራዊት እስራኤል ንጥንታዊ ኣኽራናት ቢዮፎርት ከም ዝተቆጻጸረ ድሕሪ ምግላጹ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ሓቲተ ኣለኹ ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ እስራኤል ከም ሉኡላዊት ሃገር፡ ሉኡላዊ መሬታ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ ኣፍልጦ ዝወሃባ ዳኣ ይኩን እምበር፡ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንምስፋሕ ዘገድድ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ከምዘየለ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሚኒስተር እስራኤል ካትዝ ብወገኑ፡ ኣጋር ሰራዊት ሃገሩ ንሂዝቦላህ ዒላማ ብምግባር፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ ዘካይዶ ወፍሪ ከስፍሕ መደብ ሓንጺጹ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፈረንሳ እስራኤል ንእትወስዶ ዘላ ናይ ወረራ ስጉምቲ ከምዘይትድግፍ እዩ እቲ ፈረንሳዊ ሚኒስተር ዝገልጽ።
እምባ ቢዮፎርት፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 900 ዓመታት ዝጸንሐ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣኽራን ሊባኖስ ኮይኑ፡ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ ኣብ ላዕሊ ኮንካ ንምቁጽጻር ኮይኑ ምቹእ ዕድል ዝፈጥር፡ ዓቢ ወተሃደራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣኽራን ምኳኑ እዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፡ ብመንገዲ ናይ ቴለግራም ሕሳቡ ኣቢሉ ዝሃቦ መግለጺ፡
ድሕሪ ናይ 44 ዓመት ታሪኻዊ ውግእ ቢዮፎርት፡ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ኲናት ሊባኖስ 1982 ዝተሰዉኡ ብጾት፡ ሰራዊትና ነዚ ጎቦ እዚ ዳግማይ ተቆጻጺሩ፡ ባንዴራ እስራኤል ተኺልሉ ኣሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁን ብትእዛዘይን፡ ናይ ሊባኖስ ዓወታቱ ኣስፊሑ ሩባ ሊታኒ ሰጊሩ ንቢዮፎርት ሒዙ ኣሎ ምባሉ እዩ፡ ንፈረንሳ ኣቆጢዑ ዝርከብ።