ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላምን ናጽነትን ምንባር ተከልኪልሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መሰል ጥሮታን መልዕሎን ዘይብሎም ኣረጋውያን፡ ከሙኡ ውን ጸገም ጥዕና ዘለዎም ዜጋታት፡ ዝያዳ ካልኦት መሪርን ክትገልጾ ዝከብድን ህይወት የሕልፉ ምህላዎም፡ ሓበሬታ ውሽጢ ዓዲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ዝጸንሑ: ብእርጋንን ጸገም ጥዕናን ስንክልናን ዓዲ ውዕል ምስኮኑ መሰል ጥሮታን ሰንክልናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ውሕስነት ስለዘይብሎም: ዜጋታት ብዘይ ሓገዝን እቶትን ጾር ስድራቤት ከምዝኾኑን ጠዋሪ ከምዝስእኑን ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ሃገርና: ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን: እንግሊዝን ኢትዮጵያን ኣብ ስራሕ መንግስቲ ተቆጺሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን: ብዙሓት ጥሮታን ካልእ ናይ ሰራሕተኛ መሰላትን እኳ እንተነበሮም: ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ግን ኣሽምባይዶ ንዜጋታቱ ክጥውር ክጣበቕን: ዝጸንሐ መሰሎም ከይሳለጥን ከይቅጽልን ኢዩ ተጓይዩ።
ጉጅለ ህግደፍ: ካብ ዝርካቦም ሰራሕተኛታትን መሸጣ ንብረትን ንመሕወዪ ግብሪ ከምኡ እውን ንልምዓታዊ መደባትን መደበሲ ስድራ ስውኣትን ካልእ ምኽንያትን ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝእከብ ክንሱ ኣጠቃቕማን መዓላን ናይቲ ገንዘብ ግን ተቆጻጻርን ሓታትን ኣካል የብሉን።
ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝሰርሕ ስርዓት ስለዘየለ: ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት መነባብሮ ኣብ ኲናት ዝሰንከሉን ስድራቤት ስውኣትን ክመሓየሽን ማሕበራዊ ጸገማቶም ክፍታሕን ኣይክኣለን።
እቶም ኣብ ስራሕ ንዓመታት ዝለፍዑን ካብ ኣታዊኦምን ደሞዞምን ዝቁረጾም ዝነበረን: ካብ ስራሕ ጠጠው ምስበሉ ኣታዊ ስለዘይብሎም መዓልታዊ ህይወቶም ክመርሑ ስለዘይክእሉ ግዳም ሓደር ይኾኑን ኣብ ቤቶም ተኾርምዮም ብጥሜትን ብሕማምን ይሳቀዩ ከምዘለዉ: እቲ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።
ጉጅለ ህግደፍ እቶም ካብ 2020 ክሳብ 2022 “ኢትዮጵያ ከይትበታተን” ተባሂሉ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ክልል ትግራይ ዝሃለቑን ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ኣሽሓት ኤርትራውያን: ብድሕሪኦም ዝገደፍዎም ውሉዳትን ወለድን ስድራቤትን መልዕሎን ደበስን ምሃብ ይትረፍ: መስዋእቶምን ሃለዋቶምን እውን ክሕበር ኣይክኣለን።
ኣብ ኤርትራ ንቡር ስርዓተ ደሞዝ: ዕቤት ስራሕን መዓርግን ስልጠና ሞያን ስለዘይፍለጥ: ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘለኻዮ ጠጠው ክትብል: ክትባረር ደስኪልካ ክትብሃል ወይ ድማ ሰብ እንተለካን እሙን እንተኾይንካን ጥራይ ኢኻ ኣብ ስራሕካ ትቅጽል።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ገባቲ ቁጠባዊ ፖሊሲታትን ሕጊ ዘይብሉ ምሕደራን: ብዘይካ ደሞዝ ዘይብሉ ውትህድርናን ዘይብቁዑን ብቀሊሉ ዘይርከብን ማሕበራዊ ውሕስነትን መድሕንን ዘይብሉ መንግስታዊ ስራሕ ካልእ ዕድላት የለን።