ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተሰምየ ናይ ሓበሬታ ትካል፡ ኢራን ካብ ዝጅምር ኲናት ኣትሒዛ ልዕሊ 20 ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ከምዘዕነወትን፡ ዝወረደ ንዋታዊ ዕንወት ውን፡ ካብ’ቲ ብወግዒ ዝተገልጸ ንላዕሊ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑን ኣረጋጊጹ።
እቲ ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተባህለ ዋንነት መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝኮነ ትካል፡ ሳተላይት ምስልታትን ቪድዮ ትንተናን፡ ኢራን ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ጀሚራ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከባ ወሰንቲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ንዝተራቐቐ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፡ ነዳዲ ካብ ኣየር ዝመልኣ ነፈርቲን ራዳርን ብምጉዳእ ብሚልዮናት ዝቑጸር ጉድኣት ከምዘውረደት ይፍለጥ።
ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ከም ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ከም ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ኢማራትን ቀጠርን ዛኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካን፡ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ትካላትን ዒላማ ብምግባር፡ ብዙሕ ዕንወት ከምዘውረደት ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ኢራን ዘውረደቶ ዕንወት ፡ ካብቲ ብወግዒ ዝተገልጸ ቁጽሪ ብዕጽፊ ከምዝዓቢ እዩ፡ ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ዝጠቅስ።
ስርሒት ኤፒክ ፉሪ ካብ ዝጅምር ንደሓር ጥራሕ፡ ኣብ ኢራን ልዕሊ 13 ሽሕ ዕላማታት ከምዝተሃርመ ዝገለጸ ቤትጽሕፈት ፔንታጎን፡ ኢራን ንዘውረደቶ ዕንወት ዝምጥን ሓበሬታ ከምዘይሃበ ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ንኣያቱላህ ኣሊ ካሚኒ ዝተከአ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ብወገኑ፡ ማእከላይ ምብራቕ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ “ውሑስ ቦታ” ከምዘይኮነ፡ ሰራዊት ሃገሩ ውን ንሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ምጥቃዕ ዕዉት ምዃኑን’ዩ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቅስ።
ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ናብ ኣፍደገ ጥፍኣት ከምዘብጽሖ ተደጋጋሚ ግዜ ክዝረብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ ዝወረደ ጉድኣት፡ ብልክዕ ቁጽሪ ዝንገር ወላ ዳኣ ኣይኹን እምበር፡ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ካብቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝኣምንዎ ንላዕሊ ሓደገኛን፡ ብዙሕ ዕላማታት ዘዕነወን ምንባሩ እዩ ዝንገር።