ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ግጥማት ከምዘየካይዱን ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ከምዘይጥርነፉን ተፈሊጡ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ንመጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ንምድላው፡ ካብ 17 ሃገራት ብዝተዋጽኡ 50 ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ከምዝቆመት ሓቢሩ።
እቲ ፈደረሽን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብዘይካ 2 ተጻወትን ሓደ ሓለቃ ጋንታን፡ ዝተረፉ 50 ተጻወቲ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ክለባት ዝጻወቱ ኤርትራውያን ከምዝቆመት ኣፍሊጡ።
ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ወጻኢ ብዝቅመጡን ናይ ካልኦት ሃገራት ዜግነት ዘለዎምን ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ምቋም ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ኤርትራ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ወጻኢ ግጥማት ከካይዱ ምስወጹ፡ ብሰንኪቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሕሰምን ናብ ሃገሮም ስለዘይምለሱ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣስታት 100 ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ወጻኢ ስፖርታዊ ውድድራት ከካይዱ ምስወጹ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ፖለቲካዊ ዕቁባ ብምሕታት ተሪፎም ኢዮም።
እዚ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ንምቋም ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ድማ፡ ንሞራልን ተስፋን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ዝሰብርን ዘዳኽምን እምበር ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘሕይል ኣይኮነን።
እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ምድኻምን ምቁራጽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ሞያዊ ብቅዓት ዘለዎም ተጻወትን ኣሰልጠንትን፡ ኣብ ሃገሮም፡ ብቁዕ ደሞዝ ወይ ክፍሊት፡ ዝተማልአ ስልጠናን መሳለጥያን ከምኡ’ውን ዕድላት ምሃብን ምቅራብን እምበር፡ ካብ መላእ ዓለም ስፖርታውያን ኣኪብካን ንደቂ ዓዲ ኣግሊልካን ዝረጋገጽ ምዕባለን ዓወትን የለን።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ ጉያ እግርን ካልእ ዓይነታት ስፖርትን፡ ራኢ ክእለትን ድሌትን ዘለዎም መንእሰያት’ኳ እንተለዉ፡ ብሰንኪ ረማሲ ምምሕዳር፡ ምሕያርን ዕስክርናን ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሞያኦም ክምዕብሉን ሓሳብ ልቦም ክሰምረሎምን ዝክኣል ኣይኮነን ።
ከምዝዝከር ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እስዋቲኒ ብምስዓር ናብ ቅድመ ምጽራይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ትሕለፍ እምበር 7 ካብ ኣባላታ ናብ ኤርትራ ኣይተመልሱን።
እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝቕመጡ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ክትቀውም ዘገድድ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ከምቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝብሎ ሓያል ጋንታ ንምምስራትን ቀጻልነት ጋንታ ንምርግጋጽን ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ጨቋኒ ምምሕዳር ተጻወቲ ህይወቶም ንምምሕያሽን ሞያኦም ንምጽባይን ብዝገሽዎ ስለዝተርፉ ኢዩ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ድኽነት፡ ምሕያር፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካልእ ጽቡቕ ነገር ስለዘየለ፡ ብቀጻሊ ካብ ኤርትራ ዝወጽን ብዝኸዶ ዝተርፍን ኤርትራዊ እምበር፡ ኣብ ሃገሩ ክነብር ዝምነ ኤርትራዊ የለን።
ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ ኤርትራ፡ ንመጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጊኒን ክትጻወት ተመዲባ ኣላ።