ሓደ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ብምኳን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክንቀሳቀስ ዝጸንሐ ውድብ ኢዜማ፡ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ።
ንመንግስቲ “ምስ ማሶን ተመሳሳልነት” ብምባል ዝነቕፍ ህወሓት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ።
ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ካብ ዘይብሱልን ሓላፍነት ዘጉደለን ኣካይዳ ህውሓት ዝተወልደ እዩ ብምባል ዛኣምን ውድብ ኢዜማ፡ ህወሓት ንደርግ ስዒሩ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ መበገሲ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዝነቱግ ዘሎ ብሄራዊ ኣተሓሳስባ ብምኳን፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕናው ቀሊል ዘይበሃል ተራ ከምዝተጻወተ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ እቲ ህወሓት ዝፈጠሮ ስምዒት ንምሕካኽ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ከምዛኣምንን ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ፈደራል ስጉምቲ ክወስድን እዩ ዝጽውዕ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩን፡ ተመዛበልቲ ናብ ቤት ንብረቶም ብዘይ ምምላሶምን፡ ቀዳማይ ሓላፍነት ክወስድ ዝግባእ ተሓታቲ ኣካል ህወሓት እዩ ዝበለ ኢዜማ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሒዝካ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብና ካብ ዘይጽወር መከራ ናይ ምድሓን ሓላፍነት፡ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ናይ ሓባር ሓላፍነት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ናብቲ ጉጅለ ጥራሕ ዘነጻጸረ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ኲናት ደው ምባል ከምዝከኣል እዩ ዝገልጽ።
ከም ህወሓት ዝኣመሰለ ደም ዘይብሉ ውዳበን፡ ነቲ ውዳበ ዝድግፉ ውሑዳት ውልቀሰባትን ደው ንምባል፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘየድሊ ስቓይ ንምድሓን፡ መንግስትን ፈደራልን ምስ መንግስቲ ደው ዝበለ ንማሕበረሰብ ትግራይን፡ ከምኡ ውን ብትግራይ ዝግደስ ኣካልን፡ ብዘይ ዝኮነ ከቢድ ዋጋ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ጸዊዑ ዝርከብ።