ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ተሪር መግለጺ፡ ብውድብ ህወሓት ዝፍጸም ዘሎ ናይ ግፋን ግዱድ ዕስክርናን መደባት፡ ናይ ኲናት ገበን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ገበናት ወፍሪ ብህጹጽ ደው ክብል ሓቲቱ።
ብዛዕባ’ቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ግፋን ግዱድ ዕስክርናን መደባት ኣመልኪቱ፡ ኣዝማድ ናይ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ዘምለጡ መንእሰያትን፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ዝኾኑ 18 ሰባት ከምዘዘራረበ ዝጠቀሰ እቲ ትካል፡ ቅድሚ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝነበረ ግዚያት ኣትሒዞም፡ ሰበ-ስልጣን እቲ ክልል ብመንገዲ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ደብዳቤታትን፡ ናይ ቴሌፎን ጻውዒታትን ኣቢሎም፡ ተጋደልቲ ንዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እንደገና ክምዝገቡ ይገብሩ ምንባሮም ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ግፋን ግዱድ ዕስክርናን መደባት፡ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ናይ ኲናት ገበን ምዃኑ’ዩ ዝኸስስ ።
ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ፡ እቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ግፋን ግዱድ ዕስክርናን መደባት፡ ኣብ ጐደናታት፡ ዕዳጋታትን ወርቂ ዝኳዓተሎም ከባቢታትን ናብ ዝርከቡ መንእሰያት ኣነጻጺሩ፡ ጃምላዊ ናይ ግፋ ወፍሪ ኮይኑ ይረአ ምህላዉ ዝጠቅስ መግለጺ ዘስፈረ ሂዩማን ራይስት ዎች፡ ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ናይቲ ውድብ፡ ተጋደልቲ ናይ ዝነበሩ መንእሰያት ዝርዝር ኣስማት ከምዘለዎምን፡ ክግፈፉ ዝኽእሉ ሓደስቲ መንእሰያት ንምልላይ ውን ነናይ ከባቢኡ ሓበርቲ ወይ ጠቆምቲ ልምዓት ጉጅለ ይጥቀሙ ከምዘለዉ፡ ቃለ-መሕትት ካብ ዝገበረሎም ሰባት ከምዘረጋገጸ’ዩ እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ወሲኹ ዝገልጽ።
ሓይልታት ትግራይን፡ ሰበ-ስልጣንን ውድብ ህወሓትን፡ ንነባራት ተጋደልቲ TDFን፡ ሓደሽቲ መንእሰያትን፡ ጨውዮም ይወስዱ ከምዘለዉ፡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን፡ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ካብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ ዘዘራረቦም ሰባት ቃሎም ከምዝሃቡ ዝጠቐሰ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ብምሸት ገዛ ገዛ እንዳኸድካ ዝካየድ ፈተሻ ንባዕሉ፡ ንነበርቲ ሰላም ከሊኡ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሺያ ባደር፡ሰበ-ስልጣን ትግራይ መንእሰያት ብኣስገዳድ ናብ ሓይልታት ንምእታው ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ናይ ፍርሒ ሃዋህው ፈጢሩ ኣሎ ክትብል ዝነቀፈት ኮይና፡ እቲ ኩነታት ኣሻቓሊ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።
ብመሰረት ስምምዕ ጀኔቫ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ንስምምዕ ጀኔቫ ዝጥሕስ ምዃኑ እቲ ትካል ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ብኣስገዳድ ይኹን ብፍቓድ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ንወተሃደራዊ ዕላማ ምምልማል ወይ ምጥቃም፡ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ህጻናት ምዃኑ ብምጥቃስ’ዩ ነቲ ኩነታት ዝኾነነ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ግፋን ግዱድ ዕስክርናን መደባት፡ ገበን ኲናት ምዃኑ’ዩ ኣነጺሩ ዝርከብ።