ኣብ ሱዳን ግንባር ኩርሙክ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝሳተፍ ዘሎ ኣካል ሓይልታት ትግራይ ዝኮነ ዕጡቅ ሓይሊ ኣርሚ 70፡ ከቢድ ጉዳኣት ከምዝወረዶ፡ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ ሱዳን ግምባር ኩርሙክ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ጫፋት ዶብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምኳኑ፡ ኣብ ድሕነት ዶባት፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ፡ ዋሕዚ ስደተኛታትን፡ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ጉጅለታትን ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ዓቢ ብምኳኑ፡ ኪንዮ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ንኢትዮጵያ ውን ናብ ስጋኣት ወሲድዋ ምህላው ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብቲ ውግእ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ዳዕመል ሰሪዕ ወሳኒ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ምህላዉ ዝንገረሉ ዕጡቅ ሓይሊ TDF “ኣርሚ 70”፡ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሖ’ዩ እቲ ዝተረከበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
እቲ ምስ ወታደራዊ ክንፊ ህወሓት፡ ፍሉይ ቅርበት ካብ ዘለዎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዕጡቅ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ኣርሚ 70፡ ሰራዊት ጀነራል አልቡርሃን ኩርሙክ ንምቁጽጻር ኣብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ ይዋጋእ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣባላት ኣርሚ 70 ኣብቲ ውግእ ካብ ዝቀደመ ዝተፈልየ ጉድኣት በጺሑዎም ምህላው እዩ ዝገልጽ።
ነቲ ሓበሬታ ዘካፈሉ ምንጭታት፡ ንግዚኡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኣባላት ኣርሚ 70 ኣብቲ ከቢድ ርብርብ ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ዝቖሰሉ ኣባላት ኣርሚ 70 ብመኪና ናብ ካርቱም ተወሲዶም፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረክቡ ምህላዎምን፡ ካብቶም ዝቖሰሉ ብርክት ዝበሉ ውን ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ምኳኖም’ዩ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝረድእ።
ኣብ ሱዳን ዞባ ብሉ ናይል ኣብ ዝርከብ ስትራቴጂካዊ ከባቢ ኩርሙክ ዝካየድ ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ኣገዳሲ ቦታ ይካየድ ምህላዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን ነቲ ውግእ ብንቕሓት ይከታተሎ ከምዘሎ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ኲናት ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ዞባዊ ኲናት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዘረድእ።