መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ሓድሽ ኩናት ዝሃልቁ፡ ዝስንክሉን ብዘይ ደሞዝ ዝለፍዑን መንእሰያት፡ ኣብ መበል 38 ዙርያ ግዱድ ሃገራዊ ባርነት መሪቑ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብቲ ብ11 ሓምለ 2026 ዘካየዶ ስነ ስርዓት ምምራቕ፡ ዘይከም ናይ ዝሓለፉ ዓጀውጀው ዝመልኦ ነዊሕ መደረኡ፡ ሕጽር ዝበለ ቃል ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ክልተ ደቓይቕ መግለጺኡ፡ ኣብ መበል 38 ዙርያ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ መንእሰያት፡ ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑን ውጽኢት ፈተና ብዘየገድስ ክሰርሑ ከምዝኾኑን ብምግላጽ፡ ብተዘዋዋሪ ጻማ ንዘይሕተቶ ባርነት ህግደፍ ክዳለዉ’ዩ ምሕጽንቱኡ ኣቕሪቡ ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ እዋን ምምራቕ ብተመረቕቲ ጉጅለታት ባህልን ህጻናትን ዝቐረበ፡ ፍጹም ፈኸራን ጃህራን ዝተዓብለለ ናይ ኣስታት 2 ሰዓትን ፈረቃን መደባት ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ኣገናዕ ብምባል ተምሳጡ ክገልጽ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ተመረቕቲ ግዱድ ባርነት ህግደፍ ኣብ ጉዕዞኦም ኣበርቲዖም ክሰርሑ’ዩ ምዒዱ ዝርከብ።
ኣብ 1994 ን18 ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ኣገልግሎት ብምቕያር፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ 34 ዓመታት ስሩዕ ትምህርቶም ተሰናኺሎም ኣብ ውትህድርና ዝተቆርኑ ፡ ብዘይ ክፍሊት ጊላታት ክኾኑ ዝተፈርዱ፡ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ዝሃለቑን ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት፡ ንስልጣን ጉጅለ ህግደፍ እምበር ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣይሰርሑን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ኩሎም ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት፡ ነቲ ብተመረቕቲ መበል 38 ዙርያን ካልኦት ተላሃይትን ዝቐረበ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ንኩናት ዝዕድም ደርፍታትን ከምዘሐጎሶ ምግላጹ ድማ ኣብ ኤርትራ ሞትን ስንክልናን እምበር መደባት ልምዓትን ማሕበራዊ ፍትሕን ቀዳምነቱ ከምዘይኮነ ደጊሙ ዘነጽር ኢዩ።
ከምዝዝከር፡ ሰልፊ ብልጽግና ንምሕጓስን ኢትዮጵያ ከይትበታተንን ተባሂሉ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ዝሃለቑን ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ስድራቤቶም ኣይተረድኡን ደበስ ኣይረኸቡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ ዘሎ መስዋእቲ ናይ ኣብ ትግራይ ዝሃለቑ ከምዝይነግር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ኢዩ።