ኣብ ዝሓለፋ 48 ሰዓታት ጥራሕ፡ ካብ ሞሮኾ ዝነቀሉ ኣስታት 60,000 ዝቁጽሮም ስደተኛታት፡ ባሕርን መሬትን ተሳጊሮም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ እትርከብ ስጳኛዊት ግዝኣት ሰታ ከም ዝኣተዉ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ብመሰረት ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሃን ሃገረ ስጳኛ፡ እቲ ፍልሰት ዝመስል ምስጋር ስደተኛታት፡ ምሉእ ለይቲ ክቕጽል ምሕዳሩን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ናብታ ግዝኣት ንምእታው ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ጥራሕ፡ ብውሑዱ 18 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ምግላጾም ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እዚ ገዚፍ ዋሕዚ ስደተኛታት እዚ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ስጳኛ ኣብ’ዚ ወርሒ እዚ ኣብ ዘመሓላለፎ ተግባራዊ ሕጊ፡ ናብ ሰታ ወይ ናብታ ካልእ ስጳኛዊት ግዝኣት ዝዀነት መሊላ ክኣትዉ ኣብ ባሕሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ብኡንብኡ ናብ ሞሮኮ ክምለሱ የብሎምን ዝብል ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ዝሰዓበ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰበስልጣናት ስጳኛ፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ብዘሰንብድ ቁጽሪ ብምውሳኹ፡ ንመንግስቲ ስጳኛ ሓገዝ ክሓቱ ከምዝተገደዱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይዅን’ምበር ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከባቢ ዶብ እታ ደሴት ዝነበረ ጸጥታዊ ቍጽጽር ብምፍራሱ፡ ናይ ሕንፍሽፍሽ ኵነታት ከምዝተፈጥረን፡ እቲ ኩነታት ዘሰንብድ ተርእዮ ከምዝፈጠረን እዩ ዝግለጽ።
ስጳኛ ዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕ፡ ሰራዊታ ናብ ደሴት ሰታን ናብታ ጐረቤታ ዝዀነት መሊላን ኣዋፊራ ምህላዋ ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ናብ መሊላ ጥራይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ፡ ካብ 300 ክሳብ 400 ዝቑጽሮም ስደተኛታት ያኣትዉ ከምዘለዉ’ዩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ኣስታት 7,000 ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ውን’ዩ ዝንገር።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ፡ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ግዝኣቱ ዝኣተዉ ሰባት፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ናብ ሞሮኮ ዝምለስሉ ኵነታት ንምጥጣሕ ምስ ሰበስልጣን ሞሮኮ ይዘራረብ ከም ዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ትማሊ ክስተት ካብ ግንቦት 2021 ንደሓር ኣብ ሰታ ዝተራእየ ዝለዓለ ዋሕዚ ስደተኛታት ምኳኑ’ዩ ጸብጻባት እታ ሃገር ዘመልክት።