ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ክውደቡ ገንዘብ ከዋጽኡን ብጉጅለ ህግደፍ ይሕተቱ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ብሰንኩ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝተገደዱ ኤርትራውያን፡ ገንዘብ ከዋጽኡን ተወዲቦም ንዕላማታት ህግደፍ ክሰርሑን መምርሒ ተዋሂቦም።
እቶም ብገንዘብን ማዕድንን ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎ ማልያን ጭርሖን ተኸዲኖም ንሓደ ካብቶም የማናይ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝኾነ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዮሱፍ ሳይቕ ክሰምዑ ዝተኣከቡ ኣባላት ውዳቤታት ፡ ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ ዝተባህሎም ጥራይ ክሰምዑን ተለፎናትን ካሜራታትን ከይሕዙን መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦም ተፈሊጡ።
ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ዮሱፍ ሳይቕ ካብ ኣስመራ ተዓዲሙ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳላስ ቴክሳስ ዝተኻየደ ሻሙናይ ዋዕላ ውዳቤታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ምስ ገዛእ ህዝቡ ዘይተቃደወን ልዕልና ሕጊ ዘይክተልን፡ ሃገር ዘባደመን ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ጦብሎቕታ ዘየቋረጸን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሰላምን ምትሕግጋዝን ይሰርሕ ከምዘሎ ብምስሉይነት ገሊጹ።
ብትምክሕትን ምዝራእ ጽልእን ዝፍለጥ፡ ኣብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ: ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈጻሚ ጉዳያት ብርሃነ ገብረሂወት ብወገኑ፡ ውዳበታት ኣብ ውጥናት ልምዓትን መኸተን ሃገሮምን ንጥፈታቶም ከሕይሉ፡ ገንዘብ ከበርክቱ፡ ሞያውያን ኤርትራውያን ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ተሳታፍነት ከርእዩ ተማሕጺኑ።
ብኣንጻር’ቲ ኣብ ሻሙናይ ዋዕላ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዳላስ ብካድራት የሱፍን ብርሃነን ዝተመደረ ጉዳያት፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ኤርትራ ትሕተ ቅርጺ ከምዝዓነወን መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዘየለን ሽቅለተ ኣልቦነት ከምዝገነነን ብወግዒ ተኣሚኑ ኢዩ።
ከምቲ “ንዓይ ነንጭዋ’ዶ ኣብ ለቆታ” ዝብሃል፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰብ ጸጋን ክኢላታትን ኤርትራውያን ሃገሮም ክሃንጹ ተበግሶ ወሲዶም ሃገሮም ኣትዮም እኳ እንተነበሩ፡ ብሰንኪ ገባቲ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ፡ ደኽዮምን ሓዚኖምን ዳግማይ ከምዝተሰዱን ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ወፍሪ ክገብሩ ከምዝተገደዱን ኣይርሳዕን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንሓጋጊ፡ ፈጻሚ ፈራዲ ኣካላት መንግስቲ ብምልማስን ምርጫን ባይቶን ቅዋምን ብምእጋድን፡ ከምኡ’ውን ሰራዊትን ሃገራዊ ድሕነትን ዕድመ ስልጣኑ ይሕሉን ህዝቢ ኤርትራ ይረግጽን ከምዘሎ ይፍለጥ።
ከምዝዝከር፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነትን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ንህሉው ኩነታት ሰውራን ጸላእን ዝምልከት መግለጺታት ብምሃብ ገንዘብን ንዋትን ይእክቡን ሃገራዊ ስምዒታት የላዓዕሉን ነይሮም ኢዮም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝካየድ ኣኼባታት ግን ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ከብድን ሕቖን ኣብ ዝኾነሉ፡ ብካድራት ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ምንዛሕ እምበር ንጭቡጥ ኩነታት ህዝብናን ሃገራዊ ጉዳይን ዝጠቅም ዛዕባታት ኣይልዓልን ኢዩ።
ኣብቲ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ ብደረጃ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝነጥፉን ኣንጻር ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ዝብሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ህላወ ናጻ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮምን ካልእ ምትእኽኻብን፡ ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ንምክያድ መምርሒ ንምቕባል ዝተወከሉ ኣባላት ውዳበታት ህግደፍ፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ጉጅለ ሕድርን ኢዮም።
ብተወሳኺ ተሳተፍቲ፡ ብዘይካ ሒደት ንኤርትራ ዘይፈልጥዋን ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከቶም፡ ዝበዝሑ ብሓለንጊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተገርፉን መሪር ጉዕዞ ስደት ምድረበዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕሪን ዝርኣዩ ኢዮም።
ካብን ናብን ኤርትራ ክመላለሱ፡ ስድራቤቶም ክርእዩ፡ ንብረቶም ከይውረስን፡ ዓዲ ክቅበሩን ካልእ ውልቃዊ ምኽንያትን፡ ኣብቲ ዋዕላ፡ ዳንኬራን ፈስቲቫልን ጉጅለ ህግደፍ ከሳትፎም ዘገድዶም ምኽንያታት ምዃኑ ይፍለጥ።