ጽምዶ ጉጅለ ህግደፍን ህወሓትን፡ ወተሃደራዊ ጽምዶ ምዃኑ ብወግዒ ተኣዊጁ።
ብስም ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ጽምዶ ዝተሰምየ ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊ ዝምድና መስሪቶም፡ ኣብ ጉዕዞ ዝጽንሑ ጉጅለ ህግደፍን ህወሓትን፡ ዝጀመርዎ ጽምዶ ወተሃደራዊ ጽምዶ ምንባሩን፡ ወተሃደራዊ ልፍንቲ መስሪቶም ምህላዎም ብወግዒ ዘነጽር ስእልታት ዘርጊሖም።
እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ቅሉዕ ምልላይ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ጽምዶ፡ ካብ ክልል ትግራይ ግሎመኸዳ፡ ከባቢታት ዝባን ሑጻ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብህወሓት ኣቀባብላ ተጌርሎም ኣብ ሓደ ዳስ ምውዓሎምን፡ ኣብቲ ዝነበረ ምትሕውዋስ ኣባል ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታይ ምንባሮምን’ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣብቲ ጸረ ሰልፊ ብልጽግና ኲናት ይመጽእ ምህላዉ ዝኣመተ ወተሃደራዊ ምትሕውዋስ፡ ኣባላት ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታት ተሓዋዊሶም ሰላምታ ክለዋወጡን፡ ብሓንሳብ ክስዕስዑን ከምዝተራእዩ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ገለ ገለ ዘይወግዓውያን ናይ ባዶ ሰለስተ መሓውራት ህግደፍ ውን፡ እቲ ብጉልባብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክኸይድ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ልፍንቲ፡ ድሮ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ተልእኾ ናብ ዝፍጽመሉ መድረኻት በጺሑ ምህላዉ ይገልጹ ምህላዎም’ዩ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሎ ሓቅታት ዘረጋግጽ።
ድሕሪ’ቲ ብክልቲኦም ሓይልታት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ዘረጋግጽ ናይ ጽምዶ ርክባት፡ ድሮናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ክዝንብያ ምውዓለን ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ክፍራሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ግጭት ሓይልታት ፌደራል፡ ትግራይ፡ ህግደፍን ፋኖን፡ ድሮ ናብ ዘይምለሰሉ ኩነታት ይሰጋገር ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ።
ነቲ ኣብ ከባቢ ግንባር ሸረሪት ዝተገብረ ወተሃደራዊ ግጭት ስዒቡ፡ ትማሊ ሓድሽ ቪድዮ ሒዙ ዝቐረበ ኳደረ ህግደፍ ኣወል ስዒድ ብወገኑ፡ ‘ሎሚ ኲናት የለን ኣይጸሓፍኩን’ ብምባል፡ ነታ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክደጋግማ ዝጸንሐ “ኲናት የለን” ትብል ቃል ከምዘየድመጻን፡ ትርጉም ዘይመድመጺኡ ውን ኣብ እንዳ ጠንቋላይ ኬድኩም ፍትሕዎ ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ቃላት እቲ ኳደረ ህግደፍ ዝኾነ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ኲናት ምጅማሩን ክቅጽል ምዃኑን’ዩ ዘረጋግጽ።
ምስዚ ኣብ ዝተሓሓዝ ዜና፡ ብቀዳም ኣብ ግምባር ሸረሪና ዝተኸፍተ ግጭት ሓይልታት ፌደራልን ህወሓትን፡ ድሕሪ ናይ 23 ሰዓታት ግጭት ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ ምህላዉን፡ ብወገን ክልቲኦም ሓይልታት ውን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተዋህቦን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን፡ ኣርሚታት 13ን 70ን ናይ ትግራይ ዝተኻየደ ግጭት፡ ን23 ሰዓታት ዝቐጸለ ከቢድ ምልውዋጥ ቶኽስን ከቢድ ብረትን ከምዝተራእዮ ዘረደአ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ፡ ከባቢታት ሸረሪትን በረኸትን፡ ካብ ድምጺ ቶኽሲ የዕሪፉ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ።
እቲ ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ሓያል ግጭት፡ ካብ በረኸትን ሸረሪትን ሓሊፉ ክሳብ ከባቢታት ማይ ካድራ ዝተሰምዐ ብርቱዕ ድምጺ ነተጉቲ የሰንዮ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ፡ ብወገን ክልቲኦም ሓይልታት ሰራዊት ናይ ምግዕዓዝን ካልእ ንጥፈታትን ይርአ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።