ህዝቢ ትግራይ መግዛእቲ ህወሓት ንምዕናው ክበራበር ጌታቸው ረዳ ጸዊዑ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምዃን ፡ ኣብ ስራሕ ፌደራል ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ህዝቢ ትግራይ መግዛእቲ ናይቲ “ተረፍ መረፍ ህወሓት” ክብል ዝገለጾ እኩብ ጉጅለ ንምስዓር ክበራበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ።
ብሕሰም መግዛእቲ ሓደ ጉጅለ ተቆሪንካ ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ ሕጂ ተበራበር ኢሉ ዝፈለመ ኣቶ ጌታቸው፡ ጉጅለ ድሕረት መላፍንቲ ኣኪቡ መዓት ከውርደልካ ድግድጊት ዓጢቑ ኣሎ ድሕሪ ምባሉ፡ እዚ ጉጅለ ንዘመናት ዝተዋህለለ ዓቕምታት ትግራዋይ ደርብዩ፡ አእዳዉ ህዝቢ ትግራይ ኩርንኵሪት ኣሲሩ፡ ብዕሙት ጃህራ ፈኸራን ባዶ ፕሮፓጋንዳን ሸሚሙ፡ ውግእ ናብ ዳሱ ዓዲሙ ህዝቢ ናብ መጋርያ ሓዊ ክድርቢ ክምህ ከይበለ ይውርወር ምህላዉን፡ ብዋጋ ኣሽሓት፡ ትንፋስን ትንፋስ ዓዲሃገርን ከድሕን፡ ብጉጅለ ህግደፍ ተመሪሑ ኣብ ጻዕረ ሞት ዝርከብ ናይ ደብረ ጽንተት ጉጅለ፡ ትግራይ ወላድ መኻን ክገብር ይህንደድ ምህላዉ እዩ ኣጥቢቑ ዘተሓሳስብ።
እዚ ጉጅለ ትማሊ፡ “ፌደራል ክወረና ይመጸና ኣሎ” ካብ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ተበጊሱ፡ ምድላዋትና ስለዝወዳእና ምስ መላፍንትና ኮይንና ካብ ድርኩኺት ኣዲስኣበባ ዕማምና ክንጅምር ኢና ናብ ዝብል ጃህራ ነጢሩ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣቶ ጌታቸው፡ እዚ ብ“ተፈናቐልቲ ክንመልስ ኢና” ዝብል ኣጉል ሽፋን ንዓመታት ዓዲ ዘደንቆረ ጉጅለ፡ ብሓንቲ መደርኡ ጥራይ ሕልሚ ለይቱን ቀትሩን ኣራት ኪሎ ምዃኑ ደጋጊሙ ከምዘረጋገጸ እዩ ዝገልጽ።
ኢደ እግሪ ኣልቦ መሪሕነት ተረፍ መረፍ ህወሓት፡ ሰብ ንከደዓዕስ “መሓዙት ኣጥሪና ኢና” እንዳበለ ፡ ዘይብተኽ ኣኼባታቱ ክገብር ይስማዕ ምህላው ዝጠቅስ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ውግእ ካብ ደጎሉ ንከባርሮ ተመሓዝይዎ ዘሎ ጎራሕ ፈራሕ ሻዕብያ፡ ናይ ዘመነ እኒ እኒ (T 54 ከምኡ’ውን T 55) ታንክታት ዓጢቑ፡ ብእግሮም ዝጎቱ ኣረጋውያን ሓጎግ ዝብል ዘሎ በታኽ ሓይሊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነቶም ሕጂ ኣብ ከብዲ ኢዶም አእትዮም ዘሽከርክርዎም ዘለው እኒ በዓል ምግበይ ሃይለን መዲድን፡ ትማሊ “ቃታ ምስሓብ ዘልመድናዮም፡ ተሰኪምና ኣዲስኣበባ ዘእተናዮም፡ ስረ ዘዕጠቅናዮም” ቆልዑ እዮም እንዳበለ ዘሽካዕልለሎም ምዃኑ’ዩ ዝውስኽ።
ትግራዋይ ገበኖም ክሓጽበሎም፣ ትማሊ ናይ ዝቐተልዎ ወዲ ትግራይ ደም ኣብ ኢዶም ከይረግአ፡ ደም ወስኹሞ ኣድሕኑና ክብሉስ፡ ከቶ እንታይ መርገም እዩ ወሪዱና’ዶ ኣየብልን? ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ተረፍ መረፍ ጉጅለ፡ ምስ ናይ ኣስመራ ውልቀመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባር፡ ደቂ ትግራይ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም መንጢሉ ናብ ኣዲስኣበባ ክወፍር፡ ፋኖን ሸኔን ከኣ ኣብ ኣፋፌት ኮይኖም ኣእዳዎም ክሕውሱ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ክገልጽ ምጅማሩ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ ዓገብ ክብሎም’ዩ ዝመክር።