ኤርትራን ሱዳንን፡ ምስ መንግስቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተፈጥረ ከቢድ ምትፍናን፡ ከምኡ ውን ኣብ ግንባር ሸረሪና ድሕሪ ዝተፈጸመ ተጻብኦታትን፡ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሊ ኣየረን ከይጥቀም ከምዝዓጸዉኦ፡ ናሽናል ኢንተረስት ዝተሰምየ ናይ ባዶ ሰለስተ ክንፊ ህግደፍ ገሊጹ።
እቲ ብመንገዲ ኣፈኛ ህግደፍ ዝወጸ ሃንደበታዊ ሓበሬታ፡ ትማሊ ኣማስይኡ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ኤርትራን ሱዳንን ክሊ ኣየረን ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝዓጸዋ ዝገልጹ ሰፋሕቲ ጸብጻባት ክወጹ ድሕሪ ምጅማሮም፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልታዊ ተጓዓዝቲ ዘመላልሱ በረራታቱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምግታእ ክግደድ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት መረዳእታ ጂኦ-ፖለቲክስ፡ ኤርትራ ሃገራዊ ረብሓታታ ካብ ተጻብኦታት ስርዓት ኢትዮጵያ ንምክልኻል፡ ክሊ ኣየራ ናይ ምምሕዳርን ምኽላልን ምሉእ ልዑላዊ መሰል ኣለዋ ዝበለ ኣፈኛ ህግደፍ ኤሪ ናሽናል ኢንተረስት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ግምባር ሸረሪና ዝተራእየ ኩነታት ህግደፍ ክሊ ኣየር ኤርትራ ክዓጽዎ ምውሳኑ እዩ ዘረድእ።
ብዙሓት ሰባት እዚ ውሳነ እዚ ነዊሕ ዝተጸበናዮን ዝተደናጎየን ውሳነ’ዩ ከም ዝበሉ ዝጠቐሰ እቲ ወሃብ ሓበሬታ፡ ክሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ መሰረታዊ ኣካል ሃገራዊ ልኡላውነትን ጸጥታን ኮይኑ ይቕጽል’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ በረራታት ስርዓት ብልጽግና ምእጋድ ከኣ፡ ንዞባዊ ጸጥታ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ መሬት ዘሎ ወጥሪ ውን እናዓረገ ይመጽእ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልተ ነሓሰ 2026 ስርዓት ኢትዮጵያን RSFን (ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ) ኣብ ዶብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ሸረሪና ንዝተደኮነ ሰራዊት ትግራይ ሃንደበት ብኸቢድ መድፍዕን ብድሮንን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ምህላዎም ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረትን ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ ዘካየዶ ስርሒትን ኣመልኪቱ ግን ዝበሎ ነገር የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ግምባር ሸረሪና ዝተራእየ ግጭት ክሳብ ኤርትራ ዝበጽሐ ምንባሩ ህግደፍ ብመንገዲ ናይ ሚድያ መሓውራቱ ኣቢሉ ይገልጽ እኳ እንተሃለወ፡ ብዘይካ ውድብ ህወሓት ግን ክልቲኦም ሓይልታት ህግደፍን ብልጽግናን ዝኾነ ይኹን መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ይርከቡ።