ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ዘየዕርፍ ግጭታት፡ ጽልዋ ኲናት ዩክረይን ኢራንን፡ ከምኡ ውን ዝተሓላለኸ ውሽጣዊ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ጥሜት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ምህላዉን፡ ኣብ ኤርትራ ውን ብተመሳሳሊ ስእነት መኣዛዊ መግብታት ቆላሕታ ኣብ ዝሓትት ኩነታት ምውዳቑ ፡ ሓድሽ ጸብጻብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት፡ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝርከብ ዝጠቐሰ እቲ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ልዕሊ 90 ሚልዮን ዜጋታት፡ ንጥዕና ዝበቅዕ መኣዲ ንምቕራብ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን፡ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ምህላዎምን’ዩ፡ ውድብ ሕርሻን መግብን (FAO) ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ኣህጉራውያን ትካላት ብምልፋን ዘውጽኦ ጸብጻቡ ዝገልጽ።
እቲ “ኵነታት ውሕስነት መግብን ስነ-መግብን ዓለም ኣብ 2026” (SOFI 2026) ዝተሰምየ ጸብጻብ፡ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ንኤስያ ብምብላጽ ብብዝሒ ብጥሜት ዝጥቅዑ ሰባት ዝርከቡላ ኣህጉር ኰይና ምህላዋ ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብርእሰ ምርኮሳ ናይ ሓሶት ትረኻታት ክሰርሓላ ዝፍትን ኤርትራ ውን፡ ኣብዚ መዝገብ እዚ ብስእነት መኣዛዊ መግብታት ካብ ዝተሸገራ ሃገራት ሓንቲ ኮይና እያ ተቐሚጣ ትርከብ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ስነ-መግቢ፡ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት፡ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ዘገንዘበ እቲ ጸብጻብ፡
ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝስዕብ “ምድንጓይ ዕብየት” ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ኣስታት 48 ሚእታዊት በጺሑ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዝተመዝገበ ናይ 48% ቁጽሪ ዕቤት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝተመዝገበ ማእከላይ ገምጋም ዝዓበየ ብምዃኑ ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ኣሰካፊ ኰይኑ ምህላዉ ዘረድእ እቲ ጸብጻብ፡ 15.2 ሚእታዊት ህጻናት ኤርትራ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተራእየ ስእነት መኣዛዊ መግቢ፡ ካብ ምስ ቍመቶም ክመጣጠን ዝግባእ ክብደት ኣካላት ንታሕቲ ኰይኖም ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ብዝተኸሎ ጸረ ተፈጥሮ ዝኾነ ፖሊሲ፡ ብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኤርትራ፡ ደቀን ምምጋብ ስኢነን ናብ ልመናን ትኳቦን ወዲቐን ምህላወን፡ እቲ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝወጽእ ኣሳእል ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ብውሕስነት መግቢ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር እያ እንዳበለ ዝሰርሖ ናይ ሓሶት ወረታት፡ ፈጺሙ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ምዃኑ’ዩ ጸብጻብ FAO ዘረጋግጽ ።
ብዘይካ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ውን ብተመሳሳሊ፡ ሕጽረት መኣዛዊ መግብታት ዝፈጠሮ ኣሰካፊ ጥዕናዊ ጽልዋ ዜጋታት፡ ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ይዓቢ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ : ሱዳን ከኣ ኣብ ደማዊ ግጭት ሕድሕድ ተሸሚመን ብምህላወን፡ እቲ ጸገማት ምኽንያታዊ ኮይኑ ዝቐርብ እኳ እንተኾነ ፡ ኣብታ ጉጅለ ህግደፍ ደሴት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብላ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ናይ 48 ሚእታዊት ዘሰክፍ ጽልዋ መኣዛዊ መግብታት ኣብ ህጻናት ግን፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጸረ ተፈጥሮ ጉጅለ ምዃኑ ዝምስክር እዩ።