ምስ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝተዓጽወ መድረኽ በጺሑ ዝርከብ መንግስቲ ፈደራል፡ ምሉእ ሾሞንተ እዚ ሰራዊትን፡ ራብዓይ ክፍለሰራዊት ሜካናይዝድ ሓይልታትን ብምኽታት፡ ንትግራይ ብኩሉ ኣንፈት ከቢብዋ ምህላዉ፡ ኣብ ውድብ ህወሓት ላዕለዋይ ስልጣን ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ስራሕ እትውንን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጆሪኖ) ገሊጻ።
ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ (ሞንጆሪኖ) ነዚ ዝገለጸት፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ሓደ ናይ ጎስጓስ መድረኽ ተረኺባ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኮይኑ፡ ውድብ ህወሓት ኩነታት መሬት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፡ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ምሕላል ኣብ ስራሕ ምጽንሑን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኩነታት ትግራይ ንኽርዳእ ውን፡ ብትዕግስቲ ነዊሕ ከምዝደኸመን ድሕሪ ምግላጻ፡ መንግስቲ ፈደራል ግን ሰለማዊ ጻውዒት ንኩሉ ሕቶታት ትግራይ ጸማም እዝኒ ብምሃቡ፡ እንኮ መፍትሒ ወተሃደራዊ ስጉምቲ’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ተበጺሑ ምህላዉ’ያ ትገልጽ።
ንኩሉ ናይ ሰላም ዕድላት ተሓሲሙ፡ ናብ ኲናት ዝደፍእ ዘሎ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ሸሞንተ እዝ ኣጋር ሰራዊት፡ ራብዓይ ሜካናይዝድ ክፍለሰራዊትን፡ ብርክት ዝበለ ከበድቲ ኣጽዋርን ኣኽቲቱ፡ ንትግራይ ምሉእ ብምሉእ ከቢብዋ ምህላው ዝገለጸት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚአብሔር (ሞንጆሪኖ)፡ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ናይ መወዳእታ መደምደምታ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ህልውና ትግራይ ኣብ መቓብር ብልጽግና ዝረጋገጽ ምኳኑ’ያ ትገልጽ።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣብ መቐለ ንዘሎ ሓይሊ ህወሓት ዝቓወምን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኮይኑ ኣብ ምቅላስ ዝርከብን TPF ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ፡ ናብ መቐለ ካኣቱ ድሉው ምህላዉ ገሊጹ።
ሓይልታት ሰላም ትግራይ TPF፡ ብጀነራል ጉዕሽ ገብረ፡ ጀነራል ወደ ኣንጥሩ፡ ጀነራል ከበደ ፍቃዱን ካሎኦት ዓበይቲ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ዝምራሕ ጸረ ህወሓት ሓይሊ ኮይኑ፡ ንህልዉ ኩነታት ኣመልኪቱ ብመንገዲ ላዕለዎት ሓለፍቱ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ መቐለ ንምስጓግን፡ እታ ከተማ ንምቁጽጻርን ክገብሮ ዝጸንሐ ሓፈሻዊ ምድላዋት ወዲኡ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF፡ ነቲ ንህዝቢ መቐለ ዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ህወሓት ካብ ስልጣኑ ብምውራድን፡ ሰላምን ዴሞክራስን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽን፡ ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኣብ ዝኮነ ይኩን ሰዓት ንዝወሃቦ ወተሃደራዊ ተልእኮ ንምፍጻም ድሉው ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ግቡእ ተልእኮ ክፍጽሙ ዝኽእሉ፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ንህወሓት ጠሊሞም ናብ ሓራ መሬት ይጽንበሩ ከምዘለዉ ዝሓበረ TPF፡
እዚ ዕጡቕ ምንቅስቓስ እዚ፡ ብውሽጥን ብደገን መሓውራት ህወሓት ብቐሊሉ ንምፍራስን፡ እቲ ጉጅለ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ትግራይ ዝእለየሉ ኣጋጣሚ ንምፍጣትን፡ ምቹእ ዕድል ዝፈጥር ሓይሊ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ህወሓት ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ጾር ህዝቢ ትግራይ ንምውጋድ እኩል ምድላዋት ከምዝተወደአ እዩ ዘረጋግጽ።