ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ዝረኸቦ ክልተ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር (2.4) ሓገዝ ኣብ ጥቕሚ ከይውዓለ ከምዝባኸነ ተሓቢሩ።
ጉጅለ ህግደፍ: ካብ 1993 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበረ ዓመታት: 2.4 ቢልዮን ዶላር ግዳማውን ውሽጣውን ሓገዛት ከምዝረኸበን ብሰሪ ብልሹው ምሕደራን ገታር ፖሊስን: እቲ ሓገዝ ኣብ ረብሓ ከይውዓለ ከምዝባኸነ ኤርትራዊ ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ተስፋሃንስ ገሊጹ።
ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ብ28 ሓምለ 2026 ምስ መርበብ ሓበሬታ ድሃይ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ: እቲ 2.4 ቢልዮን ዶላር መንግስቲ ኤርትራ ብተዛማዲ ኣብ ፈለማ ዓመታት ዝሓሸ ቁጠባዊ ፖሊሲታትን ውጥናትን ኣበጊሱ ስለዝነበረ: ካብ ግዳምን ካብ ውሽጥን ንመተግበሪ ዝተፈላለዩ መደባት ገንዘባዊ ሓገዛት ከምዝረኸበን እንተኾነ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን: ኣብ ኤርትራ ዝጥቀስ ቁጠባዊ ምዕባለን ገስጋስን ከየርኣየ ከምዝሓረረ ኣገንዚቡ።
እቲ ሓገዝ:መማዕበሊ ማክሮ ቁጠባዊ ፖሊሲ: ጽዓት: መንገዲ ኣየር ኤርትራ: ዞባ ናጻ ዕዳጋ ባጽዕ: ብሕታዊ ወፍሪ: ዓቕሚ ሰብ: መሳለጢ ቅዋምን ካልኦት ጽላታትን ተዋሂቡ’ኳ እንተነበረ: ብዘይካ ከምቲ ዝድለ ኣድማዒ ኣበርክቶ ዘይገበራ ዲጋታትን ሒደት ናይ ገጠር ንጥፈታትን ዝተራእየ ለውጢ ከምዘየለ ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ዘርዚሩ።
ንሱ ብተወሳኺ: ኤርትራ ዋላ’ኳ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ልቃሕ ልቓሕ እንተዘይወሰደት 3.861 ቢልዮን ዶላር ካብ ፈለማ ዓመታት ውህሉል ናይ ወጻእን ናይ ውሽጥን ዘይተኸፍለ ዕዳ ከምዘለዋ ኣገንዚቡ።
ካብዚ እቲ ካብ 700 ክሳብ 730 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ወጻኢ ዕዳ ምዃኑ ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ኣነጺሩ።
ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ቀጺሉ ካብ ለገስቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ምልቃሕን ኣብ ግዜኻ ብምኽፋልን ዘለካ ጸገማት ምፍታሕን ሃገርካ ምምዕባልን ውሕልነት እምበር ነውሪ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ: ርጉእን ስሓብን ምሕደራን ፖሊስን እንተዘይብልካ ግን ዘለቃሓካን ዝሕግዘካን ኣካል ክትረክብ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዘለዎ ገስረጥን ገባትን ምሕደራን ዘይምዕቡል ትሕተ ቅርጽን ቁጠባዊ መሳለጥያን ዋላ ክልቃሕ እንተደለየ ብቐሊሉ ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ።
ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ኣብ መወዳእታ: ገንዘብካን ጸጋታትካን ዓቕሚ ሰብካን ኣብ ኣፍራይነት ከተውዕሎን ክትውድኖን: ዲፕሎማስያዊ ርክባትካ ከተሕይልን እንተኽኢልካ ሃገርካ ክትምዕብል ጸገም ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።