ክሳብ ሕጂ ህዝባዊ ጽምዶ እምበር ወተሃደራዊ ዕላማ ከምዘይብሎም ኣብ ምንጋር ዝጸንሑ ህግደፍን ህወሓትን፡ ናይ ሓባር ድፋዕ ይሕዙ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓይጋ ዝጸንሐ ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ጎኑ ክኾኑ ፍቓድ ድሕሪ ምሃቡ፡ ሰራዊት ህወሓት ናብ ዝባን ናይቲ ድፋዓት ብምውጻእ፡ ድፋዕ የዐርዩ ምህላዎምን፡ ጎኒ ንጎኒ ተቐሚጦም ምህላዎምን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምዕባለታት፡ ንዘይተርፍ ኩነታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሕሱም ድርቅን ጽምእን ወዲቁ ዝርከብ ህዝቢ ኢሮብ ውን፡ በዚ ኩነታት ኣዝዩ ተረቢሹ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ናብቲ ከባቢታት ሰሊኾም ካብ ዝኣተዉ ካድራት ህወሓት፡ ከም ካልኦት ከባቢታት ግፋ ከይወርደና፡ ህዝብና ክቃለስ ዘይንጽውዕ ዝብል ጎስጓስ ይመጾም እኳ እንተሃለወ፡ ይኹን እምበር እቲ ካብ ካድራት ወያነ ዝመጽእ ዘሎ ጎስጓሳት፡ ሰማዒ ይረክብ ዘይምህላዉ እዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ህዝቢ ኢሮብ ደቅና ምስ ህግደፍን ህወሓትን ብምዃን ኣብ ዘይንኣምነሉ ኲናት ካብ ዝጠፍኡ ፡ ምስቲ ኣብ ሓራ መሬት ዝርከብ ሰራዊት ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF ተሰሊፎም፡ መስዋእቲ ክኸፍሉ ንመርጽ ዝብል መርገጺ ሒዞም፡ ንጻውዒት ህወሓት ጸማም እዝኒ ሂቦሞ ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና ፡ መንእሰያት ኢሮብ ንህግደፍን ህወሓትን ተጸይኖም ኣዲሞም ምህላዎም’ዮም ዝገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምድላዋት ኲናት ኣብ ግምባር ራያ ብዝሓየለ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።
ህወሓት ኣብ ዙርያ ግንባር ራያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መዳፍዕን ዙ-23 ኣጽዋርን ይተክል ምህላዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ትማሊ ኣርባዕተ ነሓሰ ብተመሳሳሊ ኣብ ማሆኒ ተወሳኺ ሰራዊት ከምዝተዋፈረ ድሕሪ ምጥቃሶም፡ ምድላዋት ኲናት ብኹሎም ሓይልታት ከምዝቐጸለን፡ ከም ሳዕቤኑ ኣብ ጭንቀት ተሸሚሞም ምህላዎም’ዮም ዘረድኡ ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓበሬታ ወተሃደራዊ መሪሕነት ህወሓት፡ ዕጡቓት ሓይልታትን ግንባራትን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ሞባይልን ሳተላይትን ብጥብቂ ዝቆጻጸር መምርሒ ኣውጺኡ ምህላዉ ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብሞባይል ዝግበር ዝተፈላለየ ርክባት ምስጢር ሰራዊትን ወተሃደራዊ ሓበሬታን ኣብ ምግላጽ ሓደጋ ስለዘስዕብ፡ ሞባይል ምሓዝ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተኣገደ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ መራሕቲ ሰራዊት ከምዝተላእከ ተፈሊጡ።
እቲ ብደብዳቤ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ብዘይካ ፍቓድ ዘለዎም ወተሃደራውያን ሓይልታት፡ ማንም ተራ ኣባል ሰራዊት ምስ ሳተላይት ቴሌፎን ምትእስሳር ክገብር ከምዘይፍቀደሉ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡
ነዚ መምርሒ እዚ ዘይክተል ዝኾነ ይኹን ኣባል ሰራዊት ውን፡ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ዲስፕሊናዊ መቕጻዕቲ ከም ዝወሃቦ’ዩ ዝሕበር።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ወጥሪ ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላም ክመጹ’ኳ ጻውዒት እንተቕረበ ይኹን እምበር እቲ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ደማዊ ኲናት ይመጽእ ምህላዉ ዝእምት እዩ።