ስማዊት ሚኒስተር ፍትሒ ብምኳን ስማዊ ማዕርግ እትውንን ሚኒስተር ፍትሒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ ዝመስልን ዘገልግልን ስርዓተ ሕጊ ይህነጽ ከምዘሎ ዝሕብር፡ ሓበሬታ ኣቅሪባ።
ን35 ዓመታት ስማዊት ሚኒስተር ፍትሒ ጉጅለ ህግደፍ ብምኳን ኣብ ስማዊ ስልጣን ትርከብ ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓተ ሕጊ ዝትከል፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዝመስልን ገደብ ኣልቦ ስልጣን ዝህብን ምሕደራን ስርዓተ ሕግን ይህነጽ ከምዘሎ ደጊማ ዝገለጸት ኮይና፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ተስፋ ዘይቆረጸ ምስኪን ወዲ ሃገርን ተስፋ ዘቁርጽን፡ ንገለ ገለ ተበለጽቲ ዜጋታት ከኣ ሓላፍነት ዘሰክምን ሓበሬታ ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እትርከብ ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ተሓታትነትን ቅዋምን ስለዘየለ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይ ክሲን-ፍርድን ንዓመታት ተሓይሮም፡ ንስቅያትን ሞትን ተፈሪዶም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ብዘለዋ ምእዙዝነት ስልጣን ሚኒስትሪ ፍትሒ ተዋሂባ ዘላ ፎዝያ ሃሽም፡ ንህላወን ኣገዳስነት ቅዋም ወንዚፋ፡ ማሕበራዊ ልኡላውነት ምስ ታሪኽ፡ ባህልን ዕጥቃዊ ገድሊ ንናጽነትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክትገልጽ ምፍታና፡ ቃል እዛ ስማዊት ሚኒስተር፡ ንሰውራዊ ናይ ጥፋኣት ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ዘጉልሕን፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ለውጢ እምነት ዘይብሉ ጥሩፍ ጉጅለ ምኳኑን ዘረጋግጽ’ዩ።
ሚኒስተር ፍትሒ ህግደፍ ፎዝያ ሃሽም፡ ብ3ን 4ን ነሓሰ 2026 ኣብ ዘቕረበቶ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ምርግጋጽ ልዕልና ሕጊ፡ ማሕበራዊ ስኒትን ኩለንተናዊ ልምዓትን፡ ወሳኒ ተራ ዝህልዎ ስርዓተ ሕጊ፡ ካብ ናጽነትን መሰልን ውልቀ ሰብ ዝጅመር ምዃኑ ብምኽሓድ፡ ንስድራቤትን ውዳቤታት ኮማትን ቀዳምነት ዝሃበት ኮይና፡ እዚ ቃል እዚ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ንዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ መሬት ዘቀድም ናይ ጥፋኣት ፖለቲካ ዘረጋግጽ ብምኳኑ፡ ነቲ ዕላማ ህግደፍ ስልታዊ ጽንተት ዜጋታት ኤርትራ ምኳኑ ዝድምድም ሓሳብ ዘራጉድ’ዩ።
ኣብ ሕብረተሰብና፡ ልዕልና ሕጊ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ክረጋገጽ እንተኾይኑ፡ ፈለማ ቅዋም ክትኸል፡ ብመሰረት እቲ ብህዝቢ ዝተራዕመ ቅዋም ከኣ፡ ቅርጺ መንግስቲ፡ ዕድመ መራሕቲ፡ ሃገራዊ ባጀት፡ መሰልን ግቡእን ዜጋታትን፡ ካልእ መሰረታዊ ዕማማትን ተኣዊጁ፡ ንዕብየት ሃገር ከምዝቀውም ምግባር እንዳተኻእለ፡ ጉጅለ ህግደፍ ባኣንጻሩ ሃገር ኣብ ስጋኣት ኣቀሚጡ ሰውራዊ ናይ ጥፋኣት ሓሳብ ከም ፖሊሲ ዝኽተል ጉጅለ ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስማዊት ሚኒስተር ፎዝያ ነዚ ሓቂ እዚ ዘራጉድ ሓበሬታ ሒዛ ምቅልቃላ፡ ጽገናዊ ለውጢ ንባዕሉ ድሕነት ኤርትራ ብቁዕ ዘይምኳኑ ዘነጽር’ዩ።
ዓለም ሰላምን ምዕባለን ሓደ ህዝብን ሃገርን፡ ካብ መሪሕ ሃገራዊ ቅዋም ዝውለድን ዝምንጩን ኣምር ምኳኑ ተረዲኣ፡ ብዝለዓለ ቅዋማዊ ቅርጺ ኣብ እትምእዘነሉ ዘላ ሰዓት፡ ህላወ ቅዋም ክሒድካን ረጊጽካን፡ ብዛዕባ ልዕልና ሕጊ ክትዛረብ ምፍታን፡ ህጻን ብዘይ ኣቦን ኣደን ከምዝውለድ ምእማን ምኳኑ ንጹር እንዳኮነ፡ ጉጅለ ህግደፍ ስርዓትን ሕግን ኣፍሪሱ፡ ሃገር ገና ብመሲሉኒ ክመርሓ ይቃለስ ምህላዉ፡ ሃገራዊ ሉኡላዊ ህላወ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ምህላዉ ዝእምት’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ሕብረተሰብና ዝምርሓሉ ዝነበረ ሕጊታት እንዳባ ብምፍራስን፡ ኣብ 1997 ዝጸደቀ ቅዋም ኤርትራ ብምድስካልን፡ ይዕበ ይንኣስ ንጥፈታትን ውሳኔታትን ሃገር፡ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ ከምዝበሓት ብምግባር፡ ኤርትራ ብስማዊ ናጽነት ኣብ ዝተሸፈነ መግዛእቲ ቋንቋ ኣደ ክትወድቅ ጌሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰሪ’ዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝዘርግሖ ናይ ጥፋኣት መርበብ፡ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ተጋሂሱ፡ ብልሽውና፡ ድኽነትን ስደትን ገኒኑ፡ መጻኢ ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ምህላዉ ኣይከሓድን።
ዓመት መጸ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ “ገምጋም ስራሕ፡ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ስልጠና ተኻይዱ” ዝብል ጸብጻብ ዘቕርብ ስማዊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ዜጋታትን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ክንዲ ዘንግስ፡ መሳርሒ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨፍላቒ ጉጅለ ብምዃን፡ ሕሰም ህዝብና ዘናውሕን ሓቂ ዝዓብጥን ልሙስ ሚኒስትሪ ኮይኑ፡ ስቃይ ህዝብና ኣብ ምንዋሕ ይሳተፍ ምህላዉ ኩሉ ዝርዶኦ ሓቂ ኮይኑ፡ ሪኢቶ ክጸውርን፡ ዝተፈልየ ሓሳብ ከአንግድን ዘይክእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብምባል ብፎዝያ ሃሽም ዝምራሕ ስማዊ ሚኒስትሪ ከቅውም ምምራጹ ንባዕሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኩቱር ንዕቀት ዝምስክር እዩ።