ኣብ ግምባር ዓፋር ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምምሕዳራዊ ዶብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ምእካብ ሰራዊትን ይርአ ምህላዉ፡ ነበርቲ ወረዳ “ኣራት ያሎ ክልል ዓፋር” ንማዕከን ሓበሬታ ዶቼ ቬሌ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ብመሰረት እቲ ካብ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ “ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምምሕዳራዊ ዶብ ክልቲአን ክልላት ዓሪዶም፡ ንቕድሚትን ንድሕሪትን እናተጓዕዙ ንኲናት ኣብ ምድላው ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገን ክልል ዓፋር ቦታታት ኣብ ምሓዝ ምህላዉ፡ ሰራዊት ትግራይ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሶበር ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ምምሕዳር ከባቢ ዓስኪሩ ምህላዉን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ብማዕዶ ይጠማመቱ ከምዘለዉን’ዩ ዝገልጽ።
ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብዚ ግምባር እዚ፡ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ ቶኽሲ ከምዘይተሰምዐ ነበርቲ ወረዳ ያሎ ወሲኾም ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር ብወተሃደራዊ ንጥፈታትን ምድላዋትን ዝተሻቐሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ካብ ዓድታቶም ሃዲሞም ናብ ካልእ ቦታታት ይግዕዙ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጹ።
ብኽልቲኦም ወገናት ከበድቲ ኣጽዋር ይዋፈር ስለዘሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕብረተሰብ፡ ምናልባት ኲናት እንተተላዒሉ ከይጉዳእ ብምስጋእ፡ ካብቲ ከባቢ ይሃድም ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተረፉ ካልኦት ዜጋታት ውን፡ ኲናት ሎሚ ወይ ጽባሕ ክጅምር እዩ ብዝብል ሻቕሎት ፡ ኣብ ዓቢ ስግኣት ከምዘለዉ’ዮም ዘብርሁ።
እቶም ብሰንኪ ስግኣት ኩናት ካብ ያሎ ዝተመዛበሉ ኣባላት ሕብረተሰብ፡ ዋለ ኣብ ዝበሃል ከባቢታት ሰፊሮም ከምዘለዉ ዝገለጸ ሓበሬታ ዶቼ ቬሌ፡ እዚ ኣብ ዞባ ክልል ዓፋር ወረዳ ያሎ ኣርባዕተ ዝርከብ ከባቢ፡ ኣብ ናይ 2020 ኲናት ከቢድ ደማዊ ኲናት ካብ ዝተኻየደሎም ግንባራት ሓደ ምዃኑን ፡ ከቢድ ዕንወት ከም ዝተራእዮን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።