ካብ ኤርትራ ዝተበገሰ ታንክታት ዝሓወሰ ብርክት ዝበለ ከቢድ ብረት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከባቢታት ራያ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።
እቲ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰ ከቢድ ብረት፡ ብመንገዲ ዓዲ ግራት፡ ማይ መኽደን፡ መቐለ፡ ኣቢሉ ናብ ከባቢታት ራያ ክጓዓዝ ምሕዳሩ ዝገልጽ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሸውዓተ ታንክታት፡ ሓሙሽተ Zu-23 መዳፍዕ፡ ከምኡ ውን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ከበድቲ ኣጽዋር ዝሓዘ ሜካናይዝድ ሓይሊ ምንባሩ’ዩ ወሲኹ ዝጠቅስ።
እዚ ናብ ከባቢታት ራያ ክግዕዝ ዝተራእየ ኣጽዋር ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣካል ናይቲ ብስም ጽምዶ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ህግደፍን ዝተኣትወ ኪዳን ብምዃኑ ፡ ናብ ግምባራት ራያ፡ ቆቦ፡ ኣላማጣ ይጽጋዕ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኲናት ካብ ከባቢኻ ኣርሒቕካ ህላውነትካ ምክልኻል ዝብል ስልቲ ሒዙ፡ ትግራይ ዳግማይ ዓውደ ኲናት ትኾነሉ ኩነታት ንምፍጣር ይጽዕር ምህላዉ ዘረጋግጽ እዩ።
ነቲ ኣብ እዋን ኢሂወደግ ተፈጺሙ ዝብሎ ውግኣት ፡ ብዓወት ሰራዊት ኤርትራን ስዕረት ሰራዊት ኢሂወደግን ከምዝተዛዘመ ጌሩ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ዝወረደ ስዕረት ክገልጽ ዝረአ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ነቲ ናይ 1998-2000 ኩነታት ተደጋጋሚ ግዜ ከም ኣርእስቲ ክለዓል ብምግባር፡ ስዕረት ብህወሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ክገልጽ ምጅማሩ፡ ህግደፍ ንህወሓት ዝገደደ ናብ ጥፍኣት ክመርሖ እምበር፡ ንትግራይ ክሕልዋ ዕላማ ከምዘይብሉን፡ ድሕሪ’ቲ ዝካየድ ደማዊ ኲናት፡ ዳግማይ ምስ ህወሓት ናብ ምትፍናን ምምላሱ ከምዘይተርፎን ዘረድእ እዩ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና፡ ብኣርሚ 26 ዝፍለጥ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ፡ ካብ ደብዳብ ድሮን ንምኽዋል ኣስታት ዓሰርተ መዓልታት ብእግሪ ተጓዒዙ፡ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ናብ ዝርከብ ቤትምህርቲ ከምዝኣቱ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብዝተፈጸመ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ሙዉትን ቁሱልን ኮይኑ ብምትራፉ፡ ህግደፍን ህወሓትን ታሪኽ ዘይርስዖ በደል ኣብ ልዕሊ ንጹሃን መንእሰያት ይፍጽሙ ምህላዎም፡ ድሕሪ እቲ ኩነታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።