ዝበዝሕ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብ ብኤርትራውያን ዝውነን ንግዳዊ ትካላት፡ ዋንነቱ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልእ ክፋል ዓለምን ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ንግዳዊ ትካላት፡ ዝበዝሐ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝውነንን፡ ገለ ክፋሉ ውን ዋንነት ብርኪ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ከምዝኾነን ዝሓበረ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ እዚ ኣካል ናይቲ ጸጋ ሃገር ብምሕጻብ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ኣብ ካልኦት ሃገራት ሃብቲ ንምኽዛን ዝገበር ናይ ጉጅለ ህግደፍ ፖሊስ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።
ብመሰረት ኣፈናዊ መጽናዕቲ ምንቅስቓስ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኣንጎላ፡ ሩዋንዳ፡ ዱባይ፡ ስዑድያ፡ ዚምባብወ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞዛምቢክ፡ ኢትዮጵያ፡ ብጉልባብ ማሕበረ ኮምን ኤርትራውያንን ብሕታውያን ኣውፈርትን ዝነጥፋ ንግዳዊ ትካላት፡ ጉጅለ ህግደፍ ብሕጓ ከምዘዋፍረንን ንፖለቲካዊ ዕላማታቱን ቁጠባዊ መኽሰባቱን ከምዝጥቀመለን ተሓቢሩ።
ኣብ እዋን ዓመታዊ ፈስቲቫል፡ ስፖርታዊ መደባት፡ ዋዕላ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ መዓልቲ ስውኣትን ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ንመሸጣ ዝሕተምን ዝቐርብን ባንዴራታት፡ ኣልባሳት ጭርሖታት፡ ኮንጎ ሳእኒ፡ መግቢ መስተ፡ ቀንጠመንጥን ካልእ ነገራትን በቶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጹ ሰበስልጣን ጉጅለ ህግደፍን ሒደት መጋበርያታቶምን ከምዝውነንን ቀረጽ ከይተኸፍሎ ዝጥረ ገንዘብ ከምዝእከብን ጸብጻባት ሰብ ኣስመራ ንለውጢ ኣገንዚቡ።
ብሰንኪ ጨፍላቒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጸጋታትን ሞያዊ ዓቕምን ሃገርና ባይታ ኣብ ዝዘበጠሉ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ንግዳዊ ትካላትን ኣብያተ ሸቐጥን ብዝህቦ ኣገልግሎት፡ ዋጋን ብብዝሕን ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከምዝዛይድን ከምዝበልጽን ምንቅስቓስ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ብገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ድኽነት፡ ምሕያርን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝተገደዱ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝበዝሑ ከርፋሕ ናብራን ኣብዘይርጉእ ኩነታት ይነብሩ’ኳ እንተለዉ ብጻዕሮምን ብልሖምን ኣብ ትምህርቲ፡ ንግዲ፡ ስራሕ ዓለም ነብሶም ዝኸኣሉን ህይወቶም ዝመርሑን ዝተዓወቱን ከምዘለዉ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ብኣብነት ዝጥቀሱ ዕዉታት ኤርትራውያን፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣብ ድሕረትን ድኽነትን እንከሎ ኣብ ዓዲ ጓና ሚልዮናት ዶላር ርእሰ ማል ከዋፍሩ፡ ዘመናዊ ትሕተ ቅርጺ ክሃንጹን ንግዳዊ ትካላት ከማዕብሉን ክትዕዘብን ክትሰምዕን ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ።
ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ፡ ድርብ ወደባት፡ ዕቑር ባህርያዊ ጸጋታት ስሓቢ ኣቀማምጣ መሬትን ክሊማን ዘለዋ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታትን ቀይዲ በተኽ ምሕደራን፡ ህዝብና ኣብ ስደትን ድኽነትን ይነብር ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሚልዮናት ዶላር ርእሰማሎምን ክእለቶምን ኣብ ህንጻዊ ንጥፈታት፡ ሆቴላት፡ ምህናጽ መስመራት ማይን ጽርግያን፡ ምዝርጋሕ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ጽሬት፡ ጽገና መካይን፡ ስነጽባቐ፡ ቤት መግቢ፡ ቤት መስተ፡ ምርባሕ ደርሁን ጤለበጊዕን፡ ምሻጥን ምክፍፋልን ሃለኽቲ ኣቑሑት፡ ትካላት ሸርፊ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።