ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስቕቱኡ ብምስባርን፡ ፌደራል መንግስቲ ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምኹናን፡ ክዘራረብ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ህወሓት ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጾኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ብዝሓየለ መልክዕ ናብ ሲቪላዊ ዕላማታት የውርዶ ምህላዉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተግባራት ፈደራል ብምኹናን፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘተ ክጽውዕ’ዩ ዘተሓሳስብ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ትግራይ እቲ ኩነታት ከይጋደድን፡ እቲ ክልል ውን ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከይኣቱን ብምሕሳብ፡ ንመጥቃዕቲ ድሮን መንግስቲ ፈደራል ወተሃደራዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠበት ዝሓበረ ኮይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኩነታት መልክዕ ከይቀየረ ተሩኡ ክጻወት ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ትግራይ ኣብ ሰላምን ሰለማዊ ዘተን ዘለዋ መርገጺ ከምዘይቀየረት፡ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ውን ትዕግስቲ ከምዝመረጸትን ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ትዕግስቲ ትግራይ ብወገን መንግስቲ ፈደራል ከም ፍርሒ ክቑጸር የብሉን ድሕሪ ምባሉ፡ ዘላቒ ፍታሕ ዘይረአ እንተኮይኑ፡ ናይ ነብሰ ምክልኻል ስጉምቲ ንምውሳድ ክግደድ ከምዝኾነ እዩ ዘጠንቅቕ።
ካብ ዜናታት ትግራይ እንከይወጻና፡ ሎሚ ዝካየድ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኣሸንዳ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ስታድየም መቐለ ከምዘይካየድ ቤትጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊጹ።
ቤትጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ሎሚ ቀዳም ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ስግኣት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ክስርዞ ከምዝመረጸ ብምጥቃስ፡ ሓደጋ ንምቅናስ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ኣጋጣሚ ምስራዝ ኣድላዩ ምኳኑ ኣረዱኡ።
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ንዝተፈጠረ ምትፍናን፡ መጥቃዕትን ስዒቡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ተፈጢሩ ምህላው ዝግለጽ ኮይኑ፡ ህወሓት ብፌደራል መንግስቲ ንዝተመስረተ ግዝያዊ መንግስቲ ኣውዲቑ፡ ንዞባዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ወጥሪ እናዓበየ ከምዝመጸን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ውን ንብዙሓት ግዳይ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተራእየን ዝፍለጥ እዩ።