ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ተፈራሪመን።
ኢትዮጵያን ኣመሪካን ኣብ መዳያት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ስትራተጂካዊ ምትሕብባር ንምምስራት ከምዝተፈራረማ ተገሊጹ።
ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዋና ዳይሬክተር ርክባት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ብዝኮነ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ስራሕ ዑደት ከካይድ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን)፡ ምክትል ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ምክልኻል ጉዳያት ኣፍሪካ ብራያን ጀይ ኤሊስን፡ ካልኦት ላዕለዎት መራሕትን ኣብ ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ፡ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ክልተኣዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡን፡ ከምዝተፈራርረሙን’ዩ ዝንገር።
ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት፡ ናብ ሓድሽን ዝለዓለን ደረጃን ንምስግጋር፡ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ትካላት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንምስፋሕን፡ ስትራተጂካዊ ምውህሃድ ዝያዳ ንምሕያልን፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
እቲ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት፡ ሃገራዊ ረብሓን ሓባራዊ ረብሓን ንምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ንምሕያልን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ዞባዊ ነባሪ ሰላም፡ ድሕነትን ምርግጋእን ንምድንፋዕን ዝዓለመ ስምምዕ ምኳኑ’ዩ ዝግለጽ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ዝተሰማምዑሉ መዳያት ምትሕብባር ብቕልጡፍ ንምትግባርን፡ ዝሓሸ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንምምዕባልን, ተወፋይነቶም ደጊሞም ኣረጋጊጾም ዝበለ እቲ ሓበሬታ፡
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ምስ መራሕቲ ካልኦት ትካላት ምክልኻል ኣመሪካ ተራኺቡ ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየደን፡ ናይ ዑደት መደባት ከምዝሰርዐን’ዩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝገልጽ።