ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ደማዊ ግጭት፡ ከባቢታት መዓስከር ኣለምዋጭ ቀንዲ ስሕበት ኲናት ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝወደቀ ከቢድ ብረት፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉዳኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ።
እቲ ብ5 ጥቅምቲ 2026 ከባቢ ሰዓት 6፡00 ምሸት ዝወደቀ ከቢድ ብረት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር፡ ንስደተኛታት ዘናወጸን፡ ከቢድ ስንባደ ዝፈጠረን ነትጉ ከምዝነበሮ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እቲ ከቢድ ብረት ኣብ ምእከል መንበሪ ገዛ ብምውዳቑ፡ ዛጊት ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ’ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
እቶም በቲ ሓደጋ ዝቆሰሉ ስደተኛታት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሮም፡ ኣድላዪ ሕክምና ክረኽቡ ውን ከምዘይከኣሉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነበር ብኣሽሓት ዝቁጸር ህዝብና ኣብ ሓደጋ ሂወት እንከይወደቀ ግጭት ካብ’ቲ ከባቢ ንክርሕቅ፡ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒትና ከነቅርብ’ዩ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘተሓሳስብ።
ካብ ዜናታት እቲ መዓስከር ከይወጻና፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ መዓስከር ኣለም-ዋጭ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክስጎጉ ከምዝተገብረን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ካብ ዝቀመደ ዝበኣሰ ኮይኑ ምህላዉን ተገሊጹ።
ነዚ ዝገለጹ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለም-ዋጭ ዘለዉ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስ ኣካያዲ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ካውንስለር ሃብተኣብ እዮብ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ናውቲ ትምህርቲ (ጥራዝ፥ ቢሮን ርሳስን) ስሩዕ ዩኒፎርምን፡ ካብ ትምህርቲ ይስጎጉ ከምዘለዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ጸጥታዊ ጸገማትን፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተረኣየ ዘሕፍር ዓመጻትን ውን፡ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ’ዮም ዝገልጹ።
ወከልቲ እቶም ስደተኛታት ከምዘረጋገጽዎ፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ካብ 200 ክሳብ 300 ዝበጽሑ፡ ካብ 6ይ ክፍሊ ንላዕሊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ብምኽንያት ናውቲ ትምህርትን ዩኒፎርምን ሕጽረት ካብ ትምህርቶም ተኣጊዶም ምህላዎም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ዋጋ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣዚዩ ብምውሳኹ፡ ዓቅሞም ናብ ዘይፈቅዶ ጸገማት ወዲቆም ምህላዎም’ዮም ዘተሓሳስቡ።
ሓደ ናይ 50 ፊልዮ ጥራዝ ክሳብ 100 ብር፡ ዩኒፎርም ድማ 800 ብር ይሽየጥ ምህላው፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ጠማቲ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ከቢድ ጭንቀት የሕዲሩ ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ወከልቲ፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከባ ኤርትራውያን ደቀንስትዮን ብተወሳኺ፡ ብዕጡቃት ሽፋቱ ፡ ናይ ስርቅን ምጭዋይን ተግባራት ይፍጸመን ምህላዉ ድሕሪ ምግላጾም፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ንገለ ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሰቡኡተን ደቀንን ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ ንባዕሉ፡ ንሞራል ስደተኛታት ኣዝዩ ጎዲእዎ ምህላዉ’ዮም፡ ኣብቲ ምስ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገበርዎ ርክብ ዝገልጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣሰቃቒ ሰባኣዊ በደላትን ግህሰትን፡ ናብ ዝምልከቶም ናይ ስደተኛታት ኮሚሽንን ኣካልትን ጽሑፍ እኳ እንተቐረበ፡ ክሳብ ሕጂ ግቡእ መልስ ከምዘይረኸቡ ዝገለጹ እቶም ወከልቲ፡ ሕቶ ህላወ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ቅድሚ ሕጂ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መዓስከር ኣለም-ዋጭ ዘሎ ማሕረድቲ መጭወይትን መቅተልትን፡ ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመጹን ብሕጽረት ናውቲ ትምህርቲ ንዝሳቐዩን 556 ተማሃሮ፡ ናይ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ከም ዝዓደለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ውን ነዞም ኣብ መዓስከር ኣለም-ዋጭ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብህጹጽ ንምሕጋዞምን፡ ጸገማቶም ንምቅላልን ኩሉ በዓል ሕልና እጃሙ ከበርክት እዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።