ኣመሓዳሪ ዕግርግር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምኳን፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንዓመታት ኣብ ዘይምልከቶ ግጭት ዋጋ ክኸፍል ኣብ ምስግዳድ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ምሉእ ሓይሉ ሒዙ ናብ ሰሜናዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ብምእታው፡ ኣብቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ይሳተፍ ምህላዉ ምንጭታትና ዝሰደድዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ን2ይ ብርጌድ ሜካናይዝድ ኣሃዱ ክፍለ ሰራዊት 49፡ ኣብ ግሎመኸዳ ፋጺ እምባ ሂወት፡ መነበይቲ፡ በሪኽ ሽሕ በለስ፡ ዓደዋሊዕን፡ ታንክታት መዳፍዕን ጸረ ነፈርትን ተኺላ ንውግእ ድሉውቲ ክትከውን ጌሩ ምህላዉ፡ ምንጭታትና ካብ ምብራቅ ትግራይ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዘነጸሩ ኮይኖም፡ ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭታት ይሳተፍ ምህላዉን፡ ብወገን ክልቲኦም ሓይልታት ከቢድ ክሳራታት ይወርድ ምህላዉን’ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ እገላ፡ ገርሁ ስርናይ፡ ኣሕስኣ ክሳብ ዓድመርሆ፡ኣብ ከባቢ ዓድዋ፡ ማርያም ሸዊቶ፡ ሶሎዳ፡ ኣክሱም፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ሽረ ንወገን መረብ ዘሎ ገዛኢ ቦታታት፡ ከሙኡ ውን ብወገን ሽራሮ ኸኣ ኣብ ዝባን ገደናን ዕርድ ማቴዎስን፡ መዳፍዕ ክትከልን ገዛኢ ቦታታት ክቆጻጸር ምቕናዩ ወሲኾም ዘረጋገጹ ምንጭታትና፡ ህድማ መንእሰያት ግዱድ ዕስክርና ዜጋታትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ውን፡ ብዝበርኸ ተርእዮ ይቕጽል ምህላዉ’ዮም ዘረጋገጹ።
ኲናት ትግራይ ካብ ማእከል ትግራይ ወጽዩ ናብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝጽገዓሉ ዘሎ ሰዓት፡ ከተማ ዓድግራት ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ብኸቢድ መዳፍዕ ትሕረስ ምህላዋ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ኣሰካፊ ናይ መዳፍዕ ግጭታት፡ ምስ ምንቅስቃስ ሰራዊት ኤርትራ ዝተኣሳሰር ምኳኑ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
እዚ ካብ ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንጉሆ ዝቅጽል ዘሎ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብኣስገዳድ ኣብ ኲናት ዝርከብ ሰራዊት ከቢድ ጉዳኣት የብጽሕ ምህላው ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ህግደፍ ናብቲ ምፍራሱ ዘይተረፎ መስመር ወቕሮ፡ ነጋሽ፡ ኣጉላዕን ክለተውላዕሎን፡ ናይ ድጋፍ ሓይሊ ከጸግዕን፡ ሽፋን ክህብን እኳ እንተፈተነ፡ እቲ ኣብ ንሕብን እንዳሃወራያትን ምስ በጽሐ ተወሳኺ ሓይሊ ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ከእቱ ዝሓሰበ ሓይሊ፡ ብኸቢድ ኣጽዋር እንዳተሃርመ ክሳራታት ይስከም ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ትማሊ ውን ብተወሳኺ፡ ሓኔታይ ዝተባህለ ኣዛዚ ዝመርሐን ክልተ ቦጦሎንታት ክፍለ ሰራዊት 36፡ ዳርጋ ሙሉእ ዓቕሚ ሰበን ኣብ ኣብ ዓድገብሩ ቀልቀል ተከዘ ተሃሪሙ፡ ናብ እንዳባጉና ከንሳሕባ ተገዲደን ምህላወን ዝገለጹ ምንጭታት ኤሪፒኤም ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግንባር ወቕሮ ሙሉእ ብሙሉእ ምፍራሱ ዘረጋገጽ ሓበሬታ ምህላዉ’ዮም ወሲኾም ዘረዱኡ።
እቲ ካብ ክልተ ኣውላዕሎ፡ ኣጉላዕ፡ ወቕሮ፡ ክሳብ ምዕራባዊ ወገን ኣጽብን ደቡባዊ ወገን ሳዕሲዕን ዕዳጋ ሮብዕን ተዘርጊሑ ዝቐነየ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ መወዳእትኡ ሰራዊት ወያነን ህግደፍን ንነጋሽ፡ ተካንተስፋይን ንሰራዊት ብልጽግናን ከሙኡ ውን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ኣረኪቦም፡ ናብ የማነ ጸጋም ዓደባጊዕ፡ ሰንዳዳ፡ ጉርምዶ፡ ቀንዲ ከኣ ኣብ ገዛኢ ቦታታት ማይ መገልታ ዓሪዶም፡ ድኻሞም ኣብ ምውጻእን ከም ብሓድሽ ኣብ ምውድዳብን እኳ እንተተጸምዱ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ሞራላዊ ሃስያን ዝሞተ ናይ ምውጋእ መንፈስን ግን፡ ኩነታት ድሕነት ኣዘዝቲ ህወሓት ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ፡ ነቲ ካብ መቐለ ክሳብ ዓድግራት ዝመጽዎ መስመር ገዲፎም፡ ኩነተ ህላወ ሰራዊቶም ግዲ እንከይሃቡ፡ ንመስመር ዓዲ ቆልቋል ቀልዓት ሒዞም ናብ ሰበያ ገጾም ዝሃድሙን፡ ንወገን ምዕራብ ቀርሰበር ተጠውዮም፡ ናብ ዳሞ ዝወስድ መገዲ ሒዞም ዝኸዱን ተኸፋፊሎም፡ ንዓድግራት’ውን ስርቅን ራስያን ንዘካይዱ ገበነኛታት ካብ ቤት ማእሰርትታት ፈቲሖም፡ ነብሶም የውጽኡ ከምዘለዉ’ዮም ምንጭታትና ዘረጋገጹ።
ብወገን ሰራዊት ትግራይ፡ ቀስ እንዳበለ ዝጀመረ ነብስኻ ናይ ምውጻእ ውሳነታት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ምሉእ ሞራላዊ ልዕልና ብዝወሰደ ሓይሊ ሰራዊት ፈደራል ዝወርዶም ዘሎ መሪር ግጥም፡ ክጸርዎ ይጽገሙ ምህላዎም’ዮም ዝምስክሩ።
ካብ ዜናታት ትግራይ እንከይወጻና፡ ብወገን ምዕራባዊ ግምባር፡ ኣንፈት ሽረ እንዳባጉና ክካየድ ዝጸንሐ ደማዊ ግጭት ውን፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ምዝላቅ ክግበር ገዲዱ ምህላዉ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ሽረን እንዳባጉናን ተታሒዙ፡ ሰራዊት ወያነን ህግደፍን ካብ’ቲ ከተማ ኣንሳሒቡ፡ ኣብ ማይ ድሙን ሞሞናን ዓሪዱ ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ዘረዱኡ።
ኣዝዩ ዘመናዊ ኣጽዋር ሰራዊት ዝተዓጥቀ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ሒዝዎ ዘሎ ቁመና፡ ካብ ግምት ማንም ወጻኢ ኮይኑ ምቅራቡ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ክልቲኦም ውድባት ህግደፍን ህወሓትን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከውርድዎ ዝጸንሑ በደልን በሰላን፡ ንሞራል ሰራዊት ቀቲሉ ሓይሎም ክድፋእ ይገብር ምህላዉ’ዮም ዳህሳሳዊ ግምቶም ዘቀምጡ።