ጉጅለ ህግደፍ፡ ትማሊ 15 ጥቅምቲ 2026 ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ ጉጅለ ዑስማን ሳልሕ ኣቢሉ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረ-ሰብ፡ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዒላማ ብምግባር ተካይዶ ዘላ ግህሰትን ጥሕሰትን፡ ከምኡ’ውን ጽልዋኡ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መብርሂ ሂቡ።
ሚኒስተር ህግደፍ ዑስማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስርዓት ብልጽግና ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ፡ ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምውናን ሕልሙ ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺታት ክጥቀም ምዃኑ ተደጋጋሚ ግዜ መግለጺታት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅሉዕ ኲናት ኣዊጁ’ሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብልጽግና ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ‘ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን’ ዝጥሕስ ምዃኑ ጠቒሱ ከብቅዕ፡ ነቲ ህግደፍ ምስ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ብምዃን ዝገብሮ ልኡላዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝጥሕስ ተግባራት ግን ክጠቕሶ ኣይመረጸን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ላዕለዎት ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ሰበ-ስልጣን ብልጽግና፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብምንጻግ ንቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ንምቊጽጻር ክህብዎ ንዝጸንሑ መግለጺታት ኣብነታት ኣሰንዩ ዝዘርዘረ እቲ በዓል ስልጣን ህግደፍ፡ እዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከቢድ ስግኣት፡ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ድማ ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ከረድእ እኳ እንተፈተነ፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ንዝደፈሮ ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ግን ከም ስግኣት ከልዕሎ ኣይተሰምዐን።
ሚኒስተር ዑስማን ኣስዒቡ፡ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ዓንቀጽ 2(4)፡ ኣንጻር ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ዝኾነት ሃገር ሓይሊ ይኹን ምፍርራሕ ምጥቃም ከምዝኽልክል ብምዝኽኻር፡ ስርዓት ብልጽግና ኣንጻር ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ነዚ ብምልኣት ዝግህስ ከምዝዀነን ክውገዝ ከምዘለዎን ዘረድአ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ህግደፍ ነቲ ውዕል ኣብ ምፍራስ ይሰርሕ ምህላዉ ግን ክእመን ኣይተሰምዐን።
ወኪል ህግደፍ ዑስማን ኣስዒቡ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ‘ስምምዕ ፕሪቶርያ’፡ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተገብረ ምዃኑ ብምንጻር፡ ኤርትራ ኣካል ናይ’ቲ ስምምዕ ከምዘይኮነትን ኣብ ኣተገባብርኡ ዝኾነ ተራ ከምዘይነበራን ከምዘይምልከታን ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ህግደፍ ከም ሓደ ኢትዮጵዊ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታው ግን ከም ነጥቢ ከቐምጦ ኣይተራእየን።
ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከባ ኣንጻር ኤርትራ ዝንቀሳቐሳ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምዕቋብ ወተሃደራውን ሎጂስቲካውን ደገፍ ከምዝገብረለን ዘብርሀ ኣቶ ዑስማን፡ ዞባዊ ግጭታት ዘጐሃህርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዘጋድድን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ከምዘሎ ወሲኹ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ውን ነቲ ብስም ጽምዶ ክካየድ ዝጸንሐን ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ዝሰገረን ዝምድና ከብርሆ ኣይመረጸን።
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መወዳእታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብ ትሽዓተ ጥቅምቲ 2026 ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝለኣኾ መግለጺ ብምጥቃስ፡ እቲ ባይቶ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንተጻባኢ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ብትሪ ክዅንኖን፡ ብመሰረት ምዕራፍ ሸውዓተ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ግቡእ መግትኢ ስጉምቲ ክወስድን ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ብተዘዋዋሪ ኣብ ሚለኒየም ጽምዶ ክንገብር ኢና ዝብሎ ናይ ፈኸራ ቃላቱ፡ ካብ ክቱር ፍርሒ ዝነቐለ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።