ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ንወከልቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስጓጓ፡ ንሕግታትን ውዕላትን እቲ ውድብ ዝጥሕስ ውሳነ’ዩ ክብል ከሲሱ።
ህግደፍ ነዚ ዝገለጸ፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ጉጅለ ኣቢሉ ናብቲ ሕብረት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኮይኑ፡ “ሕብረት ኣፍሪቃ ውክልና ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ንቡር ክመልሶ’ዩ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዝርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታት ክሰጉግ ምውሳኑ፡ ንቅዋማዊ ሕጊ ናይቲ ውድብ ዝግህስ’ዩ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንህላወ ቀንዲ ደጀን ቤትጽሕፈት እቲ ውድብ ዝምልከት ስምምዕ ከምዝጥሕስ ውንዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምሕጽንትኡ፡ ኤርትራ ከም ልኡላዊትን ማዕረ ኣባል ሃገርን መጠን፡ ኣብ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምልኣት ንክትሳተፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣራሚ ስጉምቲ ብምውሳድ ውክልናኣ ናብ ንቡር ክመልስዎ ዝተላበወ ኮይኑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ዓገብ ክብላ’ዩ ተማሕጺኑ ዝርከብ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኡ፡ ቅድሚ ምስጓግ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ሸሞንተ ነሓሰ 2026 ከምዝተዓጽወ ወሲኹ ዝገለጸ ህግደፍ፡ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ’ውን፡ ተመሳሳሊ ደብዳበ ከምዝተላእከን ህግደፍ ኣብ ለመና ወዲቑ ምህላዉን’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ዲፕሎማሰኛ ህግደፍ ኣቶ ቢንያም በርሀ፡ ቀዋሚ ወኪል ፈጻሚ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብምዃን ፡ ቀዋሚ ወኪል ኣብቲ ሕብረትን ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጽእ ምግባሩ ውን ኣይርሳዕን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሕዳዊ ልኡላውነትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብራ ኣሜሪካ ተማሕጺና።
ኣፈኛ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ድሕሪ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘካየዶ ህጹጽ ናይ ቴለፎን ዘተ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ከም ዝተዘራረበ ዘነጸረ ኮይኑ፡ እቲ ወጥሪ ብዅሎም ወገናት ክሃድእ ዝጸውዐ ሩቢዮ፡ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ወጥሪ ብዘላቒ ፍታሕ ዝዕወት፡ ከምቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን ዝጠቐሰ እቲ ጸሓፊ፡ እቲ ብዂናትን ውግእን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ፡ ተወሳኺ ግጭት ክጻወር ከም ዘይክእል’ውን ኣተሓሳሲቡ’ዩ ዝርከብ።
ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ቲ ብቴለፎን ዝተገብረ ዝርርብ ሓበሬታ ዝሃበ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ወጥሪ ከም ዝዘተየ ኣብ ጽሑፉ ክጠቅስ እኳ እንተዘይፈተነ፡ ኣሜሪካ ግን ብመንገዲ ማርክ ሮብዮ ኣቢላ፡ ህጹጽ መጠንቀቕታ ንክልቲኤን ሃገራት ከምዝሃበት’ዩ ዝንገር።