ጉጅለ ህግደፍ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት ብሪጣንያ ክቕበል ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ንመርገጺ ዓባይ ብሪጣንያ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሓይሊ ዝስጎጉ ዜጋታታ ከምዘይትቕበል ብምግላጽ፡ ንውሳኔ መግንስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተቓዊሙ ።
ብሪጣንያ ኣብ ዘውጻቶ መጠንቀቕታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብጀላቡ ዝኣተዉ ስደተኛታትን፡ ገበን ዝፈጸሙ ዜጋታቱን ንምቕባል ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዅሎም ኤርትራውያን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ ምዃና፡ ብመንገዲ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ኣቢላ ዝገለጸት ኮይና፡ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መግለጺ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ’ዩ ንውሳኔ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝቃወም ገሊጹ ዝርከብ።
በዚ መሰረት ካብ ትማሊ ሓሙስ ኣትሒዙ፡ ዲፕሎማሰኛታት ህግደፍ ካብ ለንደን ወጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ቀይድታት ክግበረሎም እንከሎ፡ ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት (VIPs) ዝወሃብ ዝነበረ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ቪዛ’ውን ደው ክብል ተገይሩ ይርከብ።
ምኒስተራት ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንብሩ ብምፍርራሕ፡ ስደተኛታተን ንኽቕበላ ጸቕጢ ከካይዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ’ቶም ካብ ውልቀ ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ሃዲሞም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዝወሰደቶ ናይ ምስጓግ መርገጺ ግን፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ግምት ዘየእተወ ውሳነ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ብመሰረት ሓበሬታ ቤተ-ስነዳ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዝነበረ 12 ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ካብቶም ብነኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ዝለዓለ 18 ሚእታዊት ቁጽሪ ዝሓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዃኖም ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዜጋታት ክገጥሞም ዝኽእል ናይ ሂወት ፈተና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውሳነ ዓባይ ብሪጣንያ ንኤርትራውያን ናይ ሂወት ሕቶ ምዃኑ ንጹር’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ስጉምቲ ሃንደበታዊ ከምዘይኮነን ንሰብ መዚ ብሪጣንያ ክንገሮም ምጽንሑን ዝገለጸ ኮይኑ፡
ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሃገረ ኤርትራ ብሓይሊ ንዝስጎጉ ዜጋታታ ኣይትቕበልን እያ” ብምባል፡ ስደተኛታት ብኽብሪ ንምምላስ ሓሲቡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ብሪጣንያ ክላዘብ ዘቕረቦ ጠለባት ተገዳስነት ከምዘይረኸበ እኳ እንተጠቐሰ ፡ ብኣንጻሩ ህግደፍ፡ ህርፋን ዜጋታት ዘይብሉ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዝደሊ ጉጅለ ምስ ምዃኑ ፡ መግለጺ እቲ ኤምባሲ ባይታዊ ሓቂ ክህልዎ ኣይክእልን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣስዒቡ፡ ብሪጣንያ ኣፍደጊኣ ብምኽፋት ንኤርትራውያን መንእሰያትን ብስም ኤርትራውያን ዝቐርቡ ሕቶ ስደተኛታትን ብቐሊሉ ተቐቢላ ዕቚባ ትህብ ኣላ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ንናይ ለውጢ ሓይሊ መንእሰይ ኣትሪሩ ዝጽየፍ ጉጅለ፡ ብሪጣንያ ንዘርኣየቶ ሰብኣዊ መሰል ክነቅፍ ምፍታኑ ንባዕሉ፡ ምስሊ እቲ ጉጅለ ዘንጸባርቕ’ዩ ።
ንቪዛ ዲፕሎማሰኛታት ብዝምልከት’ውን፡ ብሪጣንያ ካብ 2023 ኣትሒዛ ንሰበስልጣን ኤርትራ ቪዛ ሂባ ኣይትፈልጥን ዝበለ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ በዚ መሰረት ብሪጣንያ ብሓይሊ እትሰጎ ኤርትራዊ ክቕበል ከምዘይኮነ’ዩ ዝገልጽ።
እታ ብሪጣንያዊት ሚኒስተር ኣብ መግለጺኣ፡ ጉጅለ ህግደፍ ገበነኛታትን ኣብ ብሪጣንያ ናይ ምንባር መሰል ንዘይብሎምን ዜጋታት ንኽቅበል፡ ኵሉ ዕድላት ተዋሂብዎ ምንባሩ ዝጠቐሰት ኮይና፡ ይኹን’ምበር ዘይከም ካልኦት ሃገራት ህግደፍ ነቲ ዕድል ከም ዝነጸጎ እያ ትገልጽ።
ምኒስተር ሻባና ኣስዒባ፡ ምስ ብሪጣንያ ንዘይተሓባበራ ካልኦት ሃገራት’ውን ተወሳኺ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይክንብልን ኢና፡ ክትብል ዘጠንቀቐት ኮይና፡ ብሪጣንያ ቀጻዒ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ብሪጣንያ ክተሓባበር እያ ትምዕድ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ናይዚ ዓመት እዚ ኣትሒዞም፡ ብሃንደበት ምትሕብባር ከም ዘቋረጹ’ዩ ዝኸስስ።