ኢትዮጵያ ክትወረና ተዳልያ ኣላ ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከቢድ ናይ ስግኣት ኩነታት ፈጢሩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘይወግዓዊ ናይ ክተት ወፍሪ ጀሚሩ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ኣረጋጊጾም።
እዚ ብምምሕዳራት እንዳተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ክተት ወፍሪ፡ ካብ 40-70 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን ፡ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፍኦ ዘገድድ ኮይኑ፡ ብዘይክኡ ውን ሰፊሕ ናይ ግፋ መደባት ኣብ መላእ ሃገር ክካየድ ኣዚዙ ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ዝውስኹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኢትዮጵያ ክትወረና ትመጽእ ኣላ ብምባል፡ ኣብ ህዝቢ ውሽጢ ዓዲ ከቢድ ራዕዲ ብምፍጣር ዝኸሰሮ ህዝባዊ ደገፍ ንምርካብ ይጽዕር ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ይኹን እምበር ህዝብና በቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወረዶ ኩለንትናዊ ግፍዕን ስቓይን ስለዝሰምበረ፡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ዝብል ዘመተ ህግደፍ ከም ዝቐደመ ኣቓልቦ ይረክብ ዘይምህላዉ’ዮም ዘረጋግጹ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወሰዶ ቅልጡፍ ጸብለልታ ኲናት ዘሰንበዶ ህግደፍ፡ እቲ ግጭት ተሳሒቡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንከይመጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ ኣብ ምፍጣር ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ዝጠልቦ ድልዉነት ኣብ ህዝብና ይርአ ብዘይምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ምህላዉ’ዮም ዝጠቕሱ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ፌደራል ምስ ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF ብምዃን ኣብ ዶብ ኤርትራ ንእትርከብ ከተማ ራማ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ድልድል ብመድፍዕ ከምዝሃረሞ ተገሊጹ።
ኣብ ግምባር ራያን ዓፋርን ኲናት ብምውላዕ፡ ኢትዮጵያ ንምርባሽን ስርዓተ ለውጢ ኣራት ኪሎ (4 killo) ንምርግጋጽን ወሲኑ ዝተበገሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ናይ መዓልታት ግዜ መደባቱ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኣትዩ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ከም ሳዕቤኑ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት እቲ ጉጅለ ዓቢ ዘይምንባብ ይርአ ምህላዉን፡ ኣብቲ ሰራዊት ሰፊሕ ናይ ለውጢ መደባት ይካየድ ምህላዉን’ዮም ዝገልጹ።