ግብጺ፡ ኣባል ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮና ሃገራት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክቐርባ ከምዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ።
ብሰንኪ ማያት ተፋሰስ ኒል ምስ ኢትዮጵያ መዋእል ኣብ ዝወሰደ ዘይዓርፍ ግጭት እትርከብ ግብጺ፡ ካብ ኣፍደገ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መሰረት ክህልወን ከምዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ።
እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብዱልዓጢ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኮይኑ፡ ካብ ኣፍደገ-ባሕሪ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ ቀጠና ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መሰረት ክህልወን ዝግበር ምንቅስቓስ ብጽኑዕ ከም እትቃወም’ያ ትገልጽ።
እቲ ግብጻዊ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ ፡ ምስ አልሻርቕ ብሉምበርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኮይኑ፡ ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ፡ ምሉእ ሓላፍነት ናይተን ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ-ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ዝበለ ኮይኑ፡ ካይሮ ድማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ጽኑዕ መርገጺ ከም ዘለዋን፡ ምንቅስቓስ ሃገራት ኣብዚ ማያት ከምዘይተፍቅድን’ዩ ወሲኹ ዘብርህ።
ዓብዱልዓጢ ወሲኹ፡ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፡ ምስ ዝምልከተን መንግስታት ብዝገብርኦ ስምምዕ መሰረት ጥራሕ ንግዳዊ ንጥፈታት ምክያድ ከምዝኽእላ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብዚ ወጻኢ ወተሃደራዊ መሰረት ወይ ሰፈር ንምቛም ዝግበር ምንቅስቓስ ግን ፈጺሙ ቅቡል ከምዘይኮነ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ምትሕብባር ኣባል ሃገራት ማያት-ባሕሪ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያል፡ ግብጺ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብቐረባ ትዘራረብ ከም ዘላ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ 2020 ዝተመስረተ፡ ንግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን የመንን ዝጸንበረ ናይ ሸሞንተ ሃገራት ሕብረት፡ ዳግማይ ንምሕያል ይስራሕ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።