መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝመርሕ ናይ ሓደራ ቤት ምኽሪ ኣቝሙ ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ትግራይ ናይ ምቁጽጻር ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ዝጸንሐ መንግስቲ ፌደራል፡ ድሕሪ ምዝላቕ ህወሓት ንመላእ ከተማታት ትግራይ ክቆጻጸር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስልጣን ዘለዎ ናይ ሓደራ ባዕላዊ ቤት ምኽሪ ከም ዝተመስረተ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፌደራል ብመንገዲ ቤትጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንራብዓይ ግዜ ብዕንደራ ህወሓት ዝተኸፍተ ኲናት፡ ንራብዓይ ግዜ ብስዕረት ህወሓት ከም ዝተዛዘመ ዝኣወጀ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ዝፈረሰ ምምሕዳር እታ ክልል ንምምዕርራይ ብሓደራ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስልጣን ዘለዎ ቤትምኽሪ ከምዘቖመ ውን’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ፌደራል ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕድመ ዘለዎ ባዕላዊ ምምሕዳር፡ ንትግራይ ከሳግሩ ዓቕሚ ኣለዎም ተባሂሎም ብዝእመነሎም ደቂ ትግራይ ዝቖመ ከምዝኾነን ፡ ሓለፍቲ ውን ከምዝተመርጹን ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ጸጥታ እታ ክልል ናብ ንቡር ተመሊሱ ትግራይ ምርጫ ናይ ምክያድ ዕድል ክሳብ ተውሕስ፡ ትግራይ ብመሪሕነት እዚ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ኣብ ትሕቲ (comand post )ክትጸንሕ ምዃና’ዩ ዘረጋግጽ።
በዚ መረሰት ስም ዝርዝር ናይቶም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክመርሑ ዝተመርጹ ሰበስልጣናት ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጎስ – ቀንዲ ፈጻሚ ምምሕዳርን ህዝባዊ ኣገልግሎትን።
ዶክተር ቴድሮስ ኣረጋዊ ወልደስላሴ ቀንዲ ፈጻሚ ኢኮኖሚን ዳግመ-ህንጸትን።
ብርጋዴር ጄኔራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ ሃይሉ (ወዲ ኣንጥሩ)
ቀንዲ ፈጻሚ ጸጥታን ሰላምን።
ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ወልደስላሴ
ቀንዲ ፈጻሚ ፖለቲካን ህዝባዊ ውዳቤን ።
ዶክተር ሽሻይ ኣማረ
ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኖም ዝተሾሙ ኮይኖም፡ እቲ ሓበሬታ ብወግዒ ካብ ዝተገልጸሉ ዕለት ጀሚሮም ናብ ስራሕ ክወፍሩ ምዃኖም’ዩ ዝንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ደባይ ተዋጋኢ ብምዃን ኣብ በረኻታት ትግራይ ዝርከብ ውድብ ህወሓት፡ ነዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዘይቅበል ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ምስቲ ምምሕዳር ርክብ ዘካይዱ ተጋሩ ብሕጊ ክሓቶም ምዃኑ’ውን ኣጠንቂቑ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ትግራይ ብህዝቢ ዝተመርጸ ምምሕዳርን ቤት ምኽርን ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ተተኺሉ ዘሎ ናይ ምስሌነ ቤት ምኽሪ፡ ሕጋዊ ቅቡልነት ከምዘይብሉን መንግስቲ ትግራይ ከምዝነጸጎን ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ግዜን ቦታን ኣጠዓዒሙ ነቶም ምስዚ ስርዓት እዚ ኮይኖም መንግስቲ ናይ ምፍራስ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ክሓቶም ምዃኑ’ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።