ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብ መቐለ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።
ወሳኒ ተራ ዝነበሮም ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ማእከል ከተማ መቐለ ከም ዘለዉ ንሓይልታት ጸጥታ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ኣብ ማእከል ከተማ መቐለ ከምዘለዉ ዝተገልጹ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህወሓት፡ ቀዳማይ ተኽላይ ገብረመድህን — ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ህወሓት።
ካልኣይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ — ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ህወሓት።
ሳልሳይ ዶ/ር ጸጋዬ በሪሁ — ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን።
ራብዓይ ገብረ ኢሮብ — ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ቁጽጽር ህወሓት ምዃኖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስቲ ናብ በረኻ ዝወፈረ ሓይሊ ህወሓት ከምዘይወጹን፡ ኣብ ማእከል ከተማ መቐለ ኮፍ ኢሎም ምህላዎምን’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ማእከላይ ትግራይ፡ ወረዳ ናዕዴር፡ ከተማ ሰማ፡ ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ከም ዝተፈጸመን፡ ከም ሳዕቤኑ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ህወሓት ከም ዝተጎድኡን ተገሊጹ።
እዚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ህወሓት ንዘበገሶ መጠነ ሰፊሕ ናይ ጸረ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ስዒቡ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ከባቢታት ተንቤንን ከባቢታት ሃገረ ሰላምን ዝርከቡ ዕጡቓት ህወሓት ዒላማ ዝገበረ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ኣባል ሰራዊት ጉድኣት ከምዘውረደ እዩ ዝንገር።
ናብ መላእ ትግራይ ኣብ ምዝርጋሕ ዝጸንሐ ሰራዊት ፌደራል፡ ካብ ሰራዊት ትግራይ ንዝመጾ ዘሎ ጸረ መጥቃዕቲ ንምምካት፡ ናብ ውሱን ከባቢታት ይስብሰብ ምህላዉ ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ካብ ከባቢታት ራማ ዛላምበሳ ከባቢ ሽረን ሸራሮን ስሒቡ ናብ ማእከል ይእከብ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ሳልስቲ ወሳኒ ናይ ጸረ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ግዙፍ ዲፕሎማሲያዊ ክሳራታት ገጢምዎ ምስ ምህላዉ፡ ወላ ውን ወተሃደራዊ ዓወታት ከመዝግብ እንተኸኣለ ብመንጽር ዲፕሎማሲ ዓለም ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶባት ኢትዮጵያ መሬት ሒዙ ምህላዉ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረጋጊጸ ክብል ዶቼ ቬሌ ገሊጹ።
ሰራዊት ኤርትራ፡ በቲ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ተደፊኡ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ዝነበሮ መዓስከራት ሓዲጉ እኳ እንተወጸ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዶብ ኢትዮጵያ ግን፡ ገና ዝዓስከሩ ወታሃደራት ከም ዘለዉዎ’ዩ፡ እቲ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንወኪል ዜና ፈረንሳ (AFP) ዝተዋህበ ሓበሬታ ዘረድእ።
እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ቃላቶም፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ምስ ኣተወ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸሙ ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝነብር ህዝቢ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ምንባሩ ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር እቲ ሰራዊት ምሉእ ብምሉእ ናብ መሬቱ ክምለስ ብዘይምኽኣሉ ፡ እቲ ስግኣት ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ከምዘይተረኽቦ’ዮም ዝገልጹ።
ህወሓት ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ፡ ንወተሃደራዊ መዓላ ይውዕል ምህላዉ ብምኽሳስ ፡ ሰማያት ትግራይ ካብ በረራ ዕጹው ምዃኑ ምእዋጁ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንተግባራት ህወሓት ዝኾነነት ኣሜሪካ፡ ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብሽበራ ክትከሶ ብምጅማራ፡ መግለጺ ህወሓት ንመንግስቲ ፌደራል ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።