ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክዛተ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ክሳብ ዘይተቐበለን፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጉ ብግልጺ ክሳብ ዘይሓደገን፡ ምስ ብልጽግና ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘተ ኰነ ርክብ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ እዚ ጽኑዕ ቅዋም እዚ ዝንጸባረቕ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ወጥሪ ኣብ ዘለወሉን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ስግኣት ወዲቕሉ ኣብ ዘለወሉ እዋንን ኮይኑ፡ ነቲ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ውሽጣዊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገማት ንጎኒ ገዲፉ፡ ኢትዮጵያ ትደፍረኒ ኣላ ምባሉ ትዕዝብቲ ዝፈጥር ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ 2023፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብቐጥታ ክትቀርብ ከም ዘለዋ ድሕሪ ምዝራቡን፡ ኣብ ጥሪ 2024 ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ስምምዕ ምፍራሙን፡ እቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስማዊ ስምምዕ ሰላም እናማህመነ ከም ዝመጸ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህግደፍ ውን ብተመሳሳሊ ብስም ጽምዶ ብቐጥታ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ክሰርሕ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።
ህግደፍ ነዚ መርገጺኡ እዚ ዝገለጸ፡ ብመንገዲ ቀዋሚት ልእኽቲ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም ኮይኑ፡ ወኪል ህግደፍ ሶፍያ ነዚ ናይ ኤርትራ ቅዋም፡ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጓንግ ኮንግ ብንጹር ከም ዘመሓላለፈትሉ’ያ፡ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ ገጻ ትገልጽ።
ምስ መሪሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዀነ ደረጃ ንዝግበር ዘተ፡ ቅድሚ ኹሉ ኣዲስ ኣበባ ንምፍርራሕን ምውጥዋጥ ሓይሊን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትሓድጎ፡ ከምኡ’ውን ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ክትቅበል ኣለዋ፡” ዝበለት እታ ኣምባሳደር፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝጠሓስ ዘሎ ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ግን ክትጠቕሶ ኣይተሰምዐትን።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ፡ “ብውዲት ዝተዳለወ” ዲፕሎማስያዊ ርክባት የካይድ ኣሎ ክትብል ዝኸሰሰት ሶፍያ፡ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ውን ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝጠርነፎ ናይ ሸውዓተ ሓይልታት ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣይጠቐሰትን ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይካ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሓይልታት ይድግፍ ኣሎ ዝብል ክሲ ከቕርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን’ምበር ፡ ነዚ ብመንገዲ ኣምባሳደር ሶፍያ ዝቐረበ ሓድሽ ጠለብን ክስን ጉጅለ ህግደፍ ብወግዒ ምላሽ ኣይሃበን።
መራሕቲ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነታት ኲናት ብምዝዛም ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከምዝፈረሙ ኣብ 2018 ዝኣወጁ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር እቲ ተስፋ ተነቢርዎ ዝነበረን፡ ክሳብ ዓወት ኖቬል ዝበቕዐን ዝምድና፡ ብድላይ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ 2020-2022: ህወሓት ንምጥፋእ ደማዊ ኲናት ወሊዑ፡ ሂወት ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ዜጋታት ድሕሪ ምብልዑ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምዝዛም 2023 ናብ ምትፍናን ከምዘምርሐ ኣይርሳዕን።