ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ስግኣት ዕልዋ መንግስቲ ገጢምዎ ምህላዉ ተገሊጹ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ናይ ዕልዋ መንግስቲ ስግኣት ገጢምዎ ምህላዉ ተገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሆርን ረቪው፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣህጉራዊ ተነጽሎ፡ ከምኡ ውን ምሉእ ቁጽጽር ስልጣን ሃገር ኣብ ኢድ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ምውዳቑን ካልእን፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ጀነራላት እታ ሃገር ከቢድ ቅሬታ ፈጢሩ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እቲ ውልቀመላኺ ኣብ ስግኣት ወዲቑ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ምቕጻል ስልጣን ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንሃገራዊ ረብሓ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንናይ ባዕሎም ህላወ’ውን ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ክርእይዎ ከም ዝጀመሩ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ በዚ መሰረት ናይ ከይቀደመና ንቐድሞ ስምዒት ይዓቢ ምህላዉን፡ እቲ ውልቀመላኺ ዕልዋ መንግስቲ ክገጥሞ ከምዝኽእልን’ዩ ዝንገር።
ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ወተሃደራውያን መራሕትን፡ ንምእላይ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ካብ ስልጣን፡ ክሕደት ዘይኮነስ ከም ኣድላዪ ስጉምቲ ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም ዝበለ እቲ ጽሑፍ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝተኸሎ ስርዓት ክቕጽል ብዘይደልዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ፡ ዕልዋ መንግስቲ ክፍጸም ከምዝኽእል’ዩ ዘመልክት።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ እንደገና ናብ ካልእ ዞባዊ ኲናት ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዘሎ እምነት ከም ዘዳኸሞ ዝገልጽ እቲ ትንተና፡ ብውሳነ እቲ ውልቀመላኺ ዝተቆጥዑ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ምህላዎምን፡ እቲ ውልቀመላኺ ርኡይ ስግኣት ስልጣን ገጢምዎ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
እቲ ትንተና ኣስዒቡ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ምስ ህወሓት ብምዃን ናብ ዳግማይ ግጭት ክኣቱ ምምራጹ፡ ንብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣቆጢዑ ምህላዉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ሓይልታት ፌደራልን ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF) ፡ ብዘይ ዝኮነ ከቢድ ተቓውሞ ንትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ክሃድሙ ምግዳዶም ጠቒሱ ፡ እዚ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ጋሻ ስምዒት ዕልዋ መንግስቲ ይወልድ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
በዚ መሰረት ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ፡ ገዛእ ነብሶምን ሃገሮምን ካብቲ ዘሎ ኩነታት ንምድሓን፡ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ቀጥታዊ ምትፍናን ይኣትዉ ከም ዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ እንተተፈጺሙ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግር ዝኽእል ምዕባለታት ክፍጸም ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።