ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝተካየደ ጽምብል ምምስራት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ግዜአን ዝሓለፈን ሚግ-21 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ዝተዓጥቀት ሃገር ምዃና ብምጥቃስ፡ ንውልቀመላኪ ኢሰያስ ድሑር ብዝብል ቃላት ክዝልፎ ተሰሚዑ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ግዚኡ ዘሕለፈ ኣጽዋር ንዝተዓጥቀት ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ድሑር ክብል ዝዘለፎ ኮይኑ፡ ኤርትራ ዝተራቐቓ SU-30 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ንዝዓጠቐት ሃገሩ ክትደፍር ክትሓስብ ከምዘይብላ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ዝበለ፡ ኣብ’ቲ ንዝክሪ 90 ዓመት ምምስራት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዖ ቃል ኮይኑ፡ ኣብቲ ብተለቪዥን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝተፈነወ መደረኡ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ደውታ ጸሓይ ዝዓረቦ ድሑር ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ምድፋር ዋጋ ከምዘይህልዎ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተኻየደ ናይ ዝክሪ ስነ-ስርዓት፡ ንSU 27, SU 30ን ካልኦት ዝማዕበላ ነፈርቲ ውግእን ዘሳተፈ፡ ናይ ሰማይ ምርኢት ነፈርቲ ውግእ ዝተካየደ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንኣብይ ኣሕመድ ሰነፍ ነዳይ ፈራሕ ስሱዕ ክብል ዝገለጾ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ድሑርን ኣብ ደውታ ጸሓይ ዝዓረቦን ምኳኑ ብምዝላፍ’ዩ፡ ኤርትራ ኣብ ደውታ ምህላዋ ክገልጽ ተሰሚዑ።
መግለጺ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕርን ልኡላዊ ተበጻሕነትን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እንዳዓረገ ኣብ ዝከደሉ ዘሎ ሰዓት ኮይኑ፡ ነቲ ኤርትራ ሪእያቶ ኣብ ዘይትፈልጥ ሕሰምን መከራን ክትወድቅ ጌሩ ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ዘይከም’ቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝተጠቅመሉ ቃላት፡ ልክዕን ንባህሪያት እቲ ድሑርን ውዱቅን መራሒ ዝጠቅስ’ዩ።
ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጸላእትና፡ ኢትዮጵያ ንምድኻም፡ ስትራተጂያዊ ረብሓታታ ንምጕዳእን፡ ሃብቲ እታ ሃገር ንምምዝማዝን፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 100 ዓመታት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምጽንሖም ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሓድነት ክብርን ሃገራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ንማንም ዕረፍቲ ከምዘይንህብ ጸላእትና ክግንዘቡ ይግባእ ክብል’ዩ ናብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ መልእኽቱ ዘሕልፍ።
ፈተውትን ጸላእትን ክፈልጥዎ ዝግባእ ነገር እንተሎ፡ ንኢትዮጵያ ኣጸቢቕና ከምዘይንፈልጣ’ዩ ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ብቝጠባ፡ ብታሪኽን ብዓቕምን ካብ እትፈልጥዋ ንላዕሊ ዓባይ”ያ ድሕሪ ምባሉ፡ ምስ ክብርታት ኢትዮጵያ ምድፋር ዋጉኡ ከቢድ ምኳኑ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ኢትዮጵያ ኣብነት ተሃድሶ ኣፍሪቃ ብምኳን፡ ኣጸቢቃ ትዓቢ ዘላ ሃገር እያ ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ምስ ከምዚ ዓይነት ሃገር ሓቢርካ ምንባርን ምዕባይን፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ዝዀነ ዓይነት ካልእ ኣማራጺ ዕንወት ጥራይ ከስዕብ ምኳኑ”ዩ ኣብ ቃላቱ ዘጠንቅቕ።
ንሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ምስ ህወሓት፡ ዕጡቃት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ፡ ግምባር ሓርነት ኦሮሞ ኦነግን፡ ናይ ክልል ዓፋር ዕጡቃትን ብምትሕብባር፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓደገኛ ተኹታኺ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ዓሰብ ንምውሳድ ክትወረና ደልያ እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስጋኣት ከቀምጦ ዝፍትን እኳ እንተኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነቲ ካብ’ቲ ጉጅለ ዝመጽእ ናይ ስጋኣት ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝነጸጎ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝበጽሓና ሓበሬታን፡ ኣብ ደገ ዝረአ ስምዒታትን ዝምስክሮ’ዩ።